ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ህይወት ዜጋታት ንምዕባይ ዘኽእል መሰረተ ተነቢሩ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 19/2019 (ኢዜአ)፦ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ህይወት ዜጋታት ንምዕባይ ዘኽእል መሰረተ እናተነበረ ምኻኑ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ጉዕዞ 50 ዓመታት ሳይንስ፣ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ኣብ ቀፃሊ ስራሕቲ ትኹረቱ ዝገበረ ጉባኤ ኣብ ሙዚየም ሳይንስ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣብጺ ካብ መስከረም 19 ክሳብ 21 2019 ዓ.ም ኣብ ዝጠንሕ መርሃ ግብሪ ምብሳር ስራሕቲ ምርምር ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ ስራሕቲ ፈጠራን ዲጂታላይዜሽንን ዝካየድ እንትኸውን፤ ኣብቲ ዓውዲ ዝተሳለጡ ትግበራታት ኢንተርፕረነርሽፕ፣ ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ከምኡ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተኣከቡ ቀንዲ ቀንዲ ዓወታት ብዝርዝር ክቐርቡ እዮም።

ካብቲ ጉባኤ ጎኒ ንጎኒ ዘተ ፓነል ዝካየዱ እንትኸውን፤ ሰብ ስራሕ ብልሒ (Artificial Intelligence) ፣ ሮቦቲክስን ስማርት ሲስተማትን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ውፅኢታት ፈጠራ ንጎብነይቲ ክቕርቡ እዮም።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከም ዝገለፅዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ካብ ኣናሎግ ናብ ስርዓት ዲጂታል፣ ከምኡ ድማ ናብ ዝተወደበን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ኣሰራርሓ ዝተሰጋገርናሉ ውፅኢታዊ ስራሕ ተሳሊጡ እዩ።

በዙ ድማ ቁፅሪ ተጠቀምቲ ኢንተርኔት ሃገር ካብ 17 ሚልዮን ናብ 65 ሚልዮን ከም ዝዓበየ ዝጠቆሙ እቶም ሚኒስትር፤ ዲጂታል ስርዓት ክፍሊት ምዝርጋሑ፣ ትግበራ ልዕሊ 50 ሚልዮን ዜጋታት ዝተመዝገብዎ  ሃገራዊ መለለዪ መንነት 'ፋይዳ' ን ኣዋጃት ሓለዋ ውል ሓበሬታን ምውፃኦም እምነት መሰረት  ዲጂታል ዘጠናኸሩ ቀንዲ ስጉምትታት ምዃኖም ተዛሪቦም።

ዕላማና ቴክኖሎጂ ካብ ምልማድ ሓሊፉ ናብ ወፃኢ ናይ ምልኣኽ ብርኪ  ምትሕልላፍ እዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ ተልእኾኦም ስርዓት ዲጂታል ምህናፅ ጥራሕ ዘይኰነስ ምርምር ሳይንስ፣ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምዕባይ እውን ምዃኑ ኣረዲኦም።

ሽግግር ዲጂታል ሃግዲ ንምግባርን ንፀገማት ቁልፊ መፍትሒ ንዝዀኑ ስታርታፖት ንምሕጋዝ ኣዋጅ ስታርታፕ ኣብ ስራሕ ውዒሉ እዩ ብምባል፣ ብቐፃሊ እውን ምህዳር ቴክኖሎጂ ተረኪቡ ንዓወት ዝሰርሕ ወለዶ ናይ ምፍራይ ስራሕ ብትኹረት እናተሳለጠ ምዃኑ ኣመላኺቶም።

ቴክኖሎጂ ኣብ ዓውዲታት ሕክምና፣ ሕርሻን ኣገልግሎትን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ተግባራዊ ንምግባር ዝግበር ፃዕሪ ኣበረታታዒ ውፅኢት እናተረኽበሉ ምዃኑን እዙይ ድማ ህይወት ዜጋታት ዘመሓይሽ መሰረት ምትካሉ መረጋገጢ እዩ ኢሎም።

ኣብጺ መርሃ ግብሪ ሚኒስጽራት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ወከልቲ ዓውዲ ልቀን  ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም እዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም