ኣንፈታት ልምዓት ኢትዮጵያ ዕቤት ሃገር ኣብ ምህናፅ መሰረታዊ ዓወታት እናምዝገቡ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣንፈታት ልምዓት ኢትዮጵያ ዕቤት ሃገር ኣብ ምህናፅ መሰረታዊ ዓወታት እናምዝገቡ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 19/2019 (ኢዜኣ) ኣንፈታት ልምዓት ኢትዮጵያ ዕቤት ሃገር ኣብ ምህናፅ መሰረታዊ ዓወታት እናምዝገቡ ከም ዝኾኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
መበል 2ይ ፎረም ፋይናስ ኢትዮጵያ 2026 ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ይካየድ ኣሎ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኩሉ ግዜ ፀገማት ብፅንዓትን ብዓወትን ብምሕላው ናይ ምህናፅ ጥታሪኽ እዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ኣብ ዓብይ ምዕራፍ ከም ትርከብ ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተገበሩ ጠንካራ ሪፎርማት ቀረብን ምምሕያሽ ኣሰራርሓ ዕዳጋ ሸርፊ ወፃእን ምዕባይ፣ ናህሪ ዋጋ እናቐነሰ ምምፃእ፣ ምዕባይ ንግዲ ወፃእን ኣታዊ መንግሥትን፣ ዕንቅፋታት ኢንቨስትመንት ውልቀ ምፍታሕ፣ ዘበናውነት ፖሊሲ ገንዘብን ደንቢ ዓውዲ ፋይናንስን ኣብ ምጥንኻር ዝጭበጡ ውፅኢታት ከም ዝተመዝገቡ ኣረዲኦም።
እዞም ዕዉት መመሓየሺታት ኢኮኖሚ እታ ሃገር ናብ ዓብይ ስግግር ኢኮኖሚ እናመርሕዋ ከም ዝርከቡ እውን ተዛሪቦም።
ፍርያትን መፍረያይነትን ንምዕባይ ፋይናንስ ክረኽቡ ዝኽእሉ ሓረስቶት፣ ኩባንያ ክፈጥሩ ዝኽእሉ መናእሰይ፣ ልቓሕ ረኺቦም ንግዲ ምስፍሕፋሕ ዝኽእላ ደቂ ኣንስትዮ ፈጠርቲ ስራሕ ከምኡ እውን ናይ ነዊሕ እዋን ኢንቨስትመንት ዝገብሩ ሰብ ሃፍቲ ምህላዎም ሓቃዊ መልክዕታት እቲ ለውጢ እዮም ኢሎም።
ኣንፈ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያክ ኣብ ሓደ ፍፃመ ጥራሕ ዝተሃነፀ ከም ዘይኮነ ዝገለፁ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣኣብ ትካላት፣ ሕግታት፣ ዕዳጋታት፣ መሰረተ ልምዓታት፣ ዓቕሚ ሰባትን ካብ መዓልታዊ ፖለቲካ ብዝለዓለ መልክዑ ኣብ ጠንካራ ከይዲ ለውጢ ዝተመስረተ ከም ዝኾነ ገሊፆም።
ነዚ ድማ መንግሥቲ ዕቤት፣ ቅልጣፈ ለውጥን ዲስፕሊን ኣማክሮ ኢኮኖሚ ምሕላው፣ ሓደጋታት ቀዲምካ ብምግማት ብኣግባቡ ኣብ ምምሕዳር ቆራፅነት ከም ዘለዎ ኣረጋጊፆም።