ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ፅባሕ ዝሰርሑ ሰገናት ምፍራይ ዘኽእል መሰረተ ልምዓታት ይህነፁ ኣለዉ - ኢዜአ ትግርኛ
ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ፅባሕ ዝሰርሑ ሰገናት ምፍራይ ዘኽእል መሰረተ ልምዓታት ይህነፁ ኣለዉ
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 18/2019 (ኢዜአ)፦ ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝተሃነፀ ወለዶን ፅባሕ ዝሰርሑ ሰገናት ምፍራይ ዘኽእል መሰረተ ልምዓታት ይህነፁ ምህላዎም ኣዶ መንበር ቦርድ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባን ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ሓበሬታን ደሕንነት መረበብን ትዕግስት ሃሚድ ገሊፀን።
ወ/ሮ ትዕግስት ሃሚድ፤ ማሕበረሰብ ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ መሪቐን ከፊተን፡፡
እቲ ዝተመረቐ ቤት ትምህርቲ ፤ ካብ ቅድመ ስሩዕ ክሳብ ክፍሊ 8 ትምህርቲ ዝህብ እዩ።
ወ/ሮ ትዕግስት ሃሚድ ኣብዚ እዋን ከም ዝበላኦ፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብሰብ ሰራሕ ብልሒ፣ ሮቦቲክስ፣ ብዓውዲታት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ግንባር ቀደም ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ፡፡
ትምህርቲ ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ እውን ክእለት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ሰገናት ብምዕባይ ምትሕብባር ዩኒቨርሲቲን ማሕበረሰብን ዘጠናኽር እዩ ኢለን።
ንማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጂን ሰገናት ስቲም (STEM) እቲ ዩኒቨርሲቲ ተደማሪ ዓቕሚ ብምዃን፣ እቲ ቤት ትምህርቲ ንፈጠራን ልምዓት ክእለትን መሰረት ከም ዝኸውን ገሊፀን።
ትምህርቲ ማሕበረሰብ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብፈጠራን ቴክኖሎጂን ዝተሃነፀ ተረካቢ ወለዶ ሃገር ንምፍራይ ዘኽእሉ ቤተ-ፈተነን ወሳኒ መሰረተ ልምዓታትን ዝተማለአሉ ምዃኑ እውን ኣገንዚበን።
እዙይ ድማ ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝተሃነፀ ወለዶን ንፅባሕ ዝሰርሑ ሰገናት ንምፍራይ ዘኽእል መሰረተ ልምዓታት እናተሃነፀ ከም ዝኾነ ዘርኢ እዩ ኢለን።