በዓል መስቀል ንኢትዮጵያውያን ዓቢዩ ሃይማኖታውን ባህላውን ትርጉም ዘለዎ እሴት እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
በዓል መስቀል ንኢትዮጵያውያን ዓቢዩ ሃይማኖታውን ባህላውን ትርጉም ዘለዎ እሴት እዩ
ጎንደር፤ መስከረም 17 /2019 (ኢዜኣ)፡- በዓል መስቀል ንኢትዮጵያውያን ዓቢዩ ሃይማኖታውን ባህላውን ትርጉም ዘለዎ እሴት እዩ ክብላ ሚኒስትር ቱሪዝም ፌዴሪኢ ሰላማዊት ካሳ ገሊፀን።
በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ጎንደር ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ሓዊሱ ላዕለዎት ስራሕ ላለፍቲ ፌዴሪኢን ክልልን ኣብ ዝተረኸብሉ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ።
እብዚ እዋን ሚኒስትር ሰላማዊት ከምዝገለፃኦ፤ በዓል መስቀል ንኢትዮጵያውያን ዓቢዩ ሃይማኖታውን ባህላውን ትርጉም ዘለዎ እሴት እዩ።
እቲ በዓል ካባና ሓሊፉ ኣብ ዩኔስኮ ዝተመዝገበ ሓድጊ ኩሉ ወዲ ሰብን ሃገርና ትኾርዐሉ ውህብተናን እዩ ኢለን።
ቀንዲ መረጋገፂ ምድረ ቀደምትነት ኢትዮጵያ ካብ ዝኾኑ ዓበይቲ ጉዳያት ሓደ ከይተበረዘ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክመሓላለፉ ዝፀንሑ ተመሳሰልቲ ሃይማኖታውን ባህላውን ትውፊታትና እዮም ክብሉ ሓቢረን።