ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብሽም ምሕዝነት ዕላዊ ዝገበሮ ርክብ ሓይልታት ጥፍኣት ካብ ብጎሓቱ ዝመኸነ ፕሮፖጋንዳ ሚድያ እዩ-ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም/ 16/2019(ኢዜኣ) ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብሽም ምሕዝነት ዕላዊ ዝገበሮ ርክብ ሓይልታት ጥፍኣት ካብ ብጉሓቱ ዝመኸነን ብሻዕቢያ ዝምራሕን ከም ዝኾነ ነበር ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ገሊፀን።

ህዝቢ ትግራይ ሃገር ንምፍራስን መንግሥቲ ኣልባ ንምግባርን ምስ ዝቃለሱ ውሽጣዊ ፀረ ሰላም ሓይልታትን ታሪኻዊ ፀላእትን ዝኾነ ዓይነት ምትሕብባር ክህልዎ ከም ዘይግባእ እውን ኣተሓሳሲበን።

ነበር ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ኣባል ቤት ምኽሪ ፓርቲ ስምረትን ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ኣብ እዋናዊ ኩነታት ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት፤ ህዝቢ ትግራይ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ንክኸውንን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት እቲ ስምምዕ ንምፍራስ ንዝገብሮ ዝነበረ ምንቅስቓስን ከቢድ ቃልሲ ከም ዘካየደ ሓቢረን።

እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ግና ካብ ድሌትን ባህግን ህዝቢ ትግራይ ወፃኢ ክልተ ግዝያዊ ምምሕዳር ብምፍራስ፣ ዘይሕጋዊ ቤት ምኽሪ ብምምላስን ናይ ኣራዊት ኣዋጅ ብምውፃእን ነቲ ስምምዕ ኣብ ሓደጋ ከም ዘውደቖ ገሊፀን።

ብሽም ፅምዶ ምስ ታሪኻዊ ፀላእቲ ሻዕቢያን ግብፅን ብምሽራኽ እውን ኲናት ንምውላዕን ሃገር ንምህዋኽን ምንቅስቓስ እናገበረ ከም ዝርከብ ብምግላፅ፤ እቲ ዘይሕጋው ጉጅለ ሽም ቀይሩ ብሽም ምሕዝነት ዕላዊ ዝገበሮ ርክብ ጉጅለታት ጥፍኣት እውን ሃገር ካብ ምፍራስ ዝተፈለየ ዕላማ ከም ዘይብሉ ተዛሪበን።

ፅምዶ ካብ ብጉሓቱ ዝመኸነ ፕሮጀክት ግብፅን ሻዕቢያን ከም ዝኾነ ዝገለፃ ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም፤ እዚ ብሽም ምሕዝነት ዕላዊ ዝተገበረ ርክብ ኣሸበርቲ ጉጅለታት እውን ካብ ብጉሓቱ ዝመኸነን ብሻዕቢያን ግብፅን ዝምራሕን ከም ዝኾነ ኣረዲአን።

እዚ ድማ ሃገር ንምፍራስ ዝግበር ምንቅስቓስ ስለ ዝኾነ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ዘይቕበሎን ጥር ትብል ዝፈጥሮ ዓወት ከም ዘየለን ብምሕባር፤ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ሃገሩ ንምፍራስ ንዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ኣካላት ክቃለሶም ይግባእ ኢለን።

ውሽጣውን ግዳማውን ፀላእቲ ሃገርና ንምፍራስ ምሕዝነት እንትፈጥሩ ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ሃገሩ ካብ ምፍራስ ንምድሓን ብሓድነት ጠጠው ኢሉ ክቃለስ ይግባእ ኢለን።

ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ መስካሕክሒ በደል እናፈፀመ ከም ዝርከብ ብምግላፅ፤ መንእሰይ ትግራይ እናገፈፈን እናረሸነን ከምኡ እውን ደቅና ኣይንህብን ንዝበሉ ወለዲ እናኣሰረን ከም ዝርከብ ተዛሪበን።

ብመስካሕክሒ ተግባር እቲ ጉጅለ ድማ መላእ ህዝቢ ትግራይ ነቲ ጉጅለ ኣዝዩ ከም ዝተፀየፎን ኣብ ጎኒ መንግሥቲ ፌዴራል ኮይኑ እናተቓለሰ ከም ዝርከብን ኣብራህሪሀን።

ኣብ ቀረባ እዋን ንሰራዊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኢዶም ዝሃቡ ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ድማ ነዚ መርኣያ እዩ ዝበላ ወይዘሮ ኬርያ፤ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ምስ ምስ ህልውና ጉጅለ ህወሓትን ሻዕብያን ዘይኮነስ ምስ ህልውና መንግስቲ ፌዴራል ከም ዝረጋገፅን ህዝቢ ትግራይ እውን ኣብዚ መዳይ ኣድላይ ምትሕብባር እናገበረ ከም ዝርከብን ኣገንዚበን።

ዕጡቓት ዘይሕጋዊ ጉጅለ እውን ኣካል እዚ ፀሊም ታሪኽን ታሪኽ ባንዳነትን ብዘይ ምዃንን ኢዶም ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምሃብን ሂወቶም ከድሕኑ ከም ዝግባእ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እውን ኢዶም ንዝሃቡ ዕጡቓት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዝገብሮ ዘሎ ኣተሓሕዛ ዝነኣድን እቲ ሰራዊት ዋሕስ ህዝቢ ምዃኑ ዘረጋግፅን ከም ዝኾነ ሓቢረን።

መንግሥቲ ፌዴራል እውን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምድሓን ሕጋዊ ሓላፍነቱ ብኣግባቡ እናተጠቐመ ከም ዝርከብን እዚ ድማ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከም ዘለዎን ኣረዲአን።

መንግሥቲ ይኹን ኢትዮጵያ ፍፁም ክፈርሱ ከም ዘይኽእሉ ዝገለፃ እተን ነበር ኣፈ ጉባኤ፤ ትርጉም ዘይብሉ ሞት ቅድሚ ምሙት ብሰላም ምንባርን ካብ ፀሊም ታሩኽ ባንዳነት ምግላልን ይግባእ ኢለን።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘለውዎ ሕቶትታ ብሰላማዊ መንገዲ ክምልሰለይ እዩ ንዝበሎ ኣካል ብካርዱ ከም ዝመረፀን ንሰላምን ሃገሩን ዘለዎ ውግንና ብተግባር ከም ዝገለፀን እውን ኣብራህሪሀን

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም