እቲ ሓዱሽ ዝምስረት መንግስቲ ሜጋ ፕሮጀክታትን ልምዓታዊ ስራሕትን ኣጠናኺሩ ከቐፅል ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 15/2019 (ኢዜአ)፦ እቲ ሓዱሽ ዝምስረት መንግስቲ ድልየት ተጠቃምነት ዜጋታት ብዝበለፀ ዘረጋግፁ ሜጋ ፕሮጀክትታት ኣጠናኺሩ ኸቐፅሎ ከም ዝግበእ ፕሬዚደንት ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሓሰን ገሊፆም።
ምስረታ ሓዱሽ መንግስቲን ስነ-ሰርዓት መኽፈቲ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን 25 መስከረም 2019 ዓ.ም ከም ዝካየድ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።

ፕሬዚደንት ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ሕብረተሰብ  ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሓሰን ንኢዜአ ከም ዝገለፅዎ፤ መበል 7 ሓፈሻዊ መረፃ ህዝቢ ደሞክራሲያዊ መሰሉ ብምጥቃም ንሃገር ይጠቅም እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ ፓርቲ ዝመረፀሉ እዩ።
መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእሎ ድምፂ ዝረኸበ ፓርቲ ብዙሓት ሃገራዊ ሓላፍነታት ዝቕበለሉ፣ ኣብ ዝመፁ ሓሙሽተ ዓመታት ንህዝቢ ንዝኣተዎ መፅብዓ ተግባራዊ ንምግባር ዝተግሃሉ  እዋን ምዃኑ እውን ገሊፆም።
ሓዱሽ ዝምስረት መንግስቲ መሰል ልምዓትን ፍትሓዊ ተጠቃምነትን ዜጋታት ብምርግጋፅ ጠንካራን ልኡላውነታ ዝተሓለወትን ሃገር ናይ ምህናፅ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣልዒሎም።
መንግስቲ ሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኽባር ዝጀመሮ ዲፕሎማስያዊ ፃዕርታት ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ትፅቢት ይግበረሉ ኢሎም።
ፋብሪካ ማዳበሪያ፣ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ፣ ልምዓት 1 ነጥብ 5 ሚልዮን ኣባይቲ ከምኡ እውን ካልኦት ሜጋ ፕሮጀክታት ንምዕዋት ዝተጀመረ ሪፎርም ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ከም ዘለዎ እውን ተዛሪቦም።
ሓዱሽ ዝምስረት መንግስቲ ኣብ ገለ ከባቢታት ዝርኣዩ ፀገማት ፀጥታ ብዘላቕነት ክፍትሕ ከም ዝግበኦ ብምግላፅ፤ ሰላም መሰረት ልምዓትን ዕብየትን ሃገር ምዃኑ እውን ኣረዲም።
ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ምኽኽር ዝተዘተየሎም ጉዳያት ከም ሰናይ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ዘተን ልውውጥ ሓሳብን ባህሊ ኮይኑ ንኽቕፅል መሪሕ ተራኡ ክዋፃእ ከም ዘለዎ እውን ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ብምስፋን ልምዓት ኣብ ምርግጋፅ መዳይ ካብቲ ዝምስረት መንግስቲ ብዙሕ ትፅቢት ከም ዝግበር ብምግላፅ፤ ህዝቢ፣ ፖለቲካዊ ፓርቲታት፣ ትካላት ሲቪል ሕብረተሰብ  ካልኦት ትካላትን ግደ ምሕዝነት ሰላም ክዋፅኡ ይግባእ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም