ምሕዝነት ኢትዮ-ጅቡቲ፡ ካብ ጉርብትና ክሳብ ስትራቴጂያዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚ

ህዝብታት ኢትዮጵያን ጅቡቲን ብታሪኽ፣ ብቋንቋ፣ ብባህልን ብማሕበራዊ ክብርታትን ኣዝዮም ዝተኣሳሰሩን ብደም ዝተወሃሃዱን ኣሕዋት እዮም። ታሪኽ ምትሕብባር እተን ሃገራት ልዕሊሓደ ክፍለ ዘመን ዝተሳገረ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዘመነ መንግስቲ ዳግማዊ ኣፄ ምኒልክ ፈለማይ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ኣብ ጅቡቲ ከፊታ እያ። እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ፈለማይ ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ወፃኢ ሃገር ነይሩ።

እ.አ.አ ኣብ 1897 ምምሕዳር ፈረንሳይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስምዕማዕ ጅቡቲ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዘራኽብ ታሪኻዊ ህንፀት መገዲ ባቡር ሕንጻ ኣጀሚሮም እዮም።

እዚ መሰረተ ልምዓት ንንግድን ህዝባዊ ምትእስሳርን ክልቲአን ሃገራት ካብ መበገሲኡ ድልዱል ክኸውን ዝገበረ ቀንዲ መሰረት እዩ። ህዝብታት ኢትዮጵያን ጅቡቲን ብታሪኽ፣ ብቋንቋ፣ ብባህልን ብማሕበራዊ ክብርታትን ኣዝዮም ዝተተሓሓዙን ብደም ዝተወሃሃዱን ኣሕዋት እዮም።

እዚ ምትእስሳር ህዝቢ ንህዝቢ ጠንካራ መሰረት ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ዝምድና ተገይሩ ዝውሰድ ኮይኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዓበይቲ  ፕሮጀክታት መሰረተ ልምዓት ምህናፆም ነቲ ምትእስሳር ስትራቴጂካዊ መልክዕ ክሕዝ ኣኽኢሉዎ እዩ።

እዚ ምትእስሳር ብዝበለፀ ዘላቒ  ንምግባር ዘመናዊ መገዲ ባቡር ኤሌክትሪክ ኣዲስ ኣበባ-ጅቡቲ፣ ፕሮጀክታት መስተ ማይ መቓረፂ ዶብ፣ መገድታት ፍጥነትን መተሓላለፊ መስመራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ተዘርጊሖም እዮም።

እዚ ድማ ነተን ሃገራት ብስምምዕ ፖለቲካ ጥራሕ ዘይኮነስ ብመሰረተ ልምዓት እውን ኣተኣሳሲሩወን እዩ።

ኣብዚ እዋን ድማ ምትእስሳሮም ብዝበለፀ እናዓበየ መፅዩ እዩ፡፡  ኣብ መንጎ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ልውዋጥ ዑደታት እውን ነቲ ምትእስሳር  ብዝበለፀ ንምጥንኻር ወሳኒ ግደ እናተዋፀአ ይርከብ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ናብ ጅቡቲ ብምቕናዕ ከምኡ ድማ ፕረዚዳንት ጅቡቲ እስማኤል ዑመር ጊሌ ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ ንክልተኣዊን ዞባውን ምትእስሳራት ዘጠናኽሩ ዘተታት ገይሮም እዮም።

ኢትዮጵያ ቀዳምነት ንጎረቤት ብዝብል ፖሊሲ ውፃኢ ጉዳይ መንግስቲ መደመር ኣቢላ ኣብቲ ዞባ ኣብ ትገብሮ ምትእስሳር ልምዓት ምሕዝነት ኢትዮ-ጅቡቲ ብኣርኣያነት ዝለዓል እዩ።

ምሕዝነት ኢትዮ-ጅቡቲ ኣብ መትከል ሓባራዊ ተጠቃምነት ዝተመስረተ እንትኸውን፤ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዝተመስረተ መድረኽ ህዝቢ ንህዝቢ ከም ስደትን ለውጢ ኩነታት ኣየርን  ዝበሉ ሓባራዊ ብድሆታት ብሓባር ንምፍታሕ ዘኽእል እዩ።

ተሞክሮ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ እውን  ተግባራዊ መርኣያ መርሃ ግብታት ምስታፍን ተኸላ ፈልስን እዮም።

ትማሊ ድማ ነዚ ጠንካራ ምሕዝነት ናብ ዝለዓለ ብርኪ  ዘሰጋገር ስትራቴጂካዊ ምትእስሳር ተበሲሩ እዩ።




ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፣ ፕረዚዳንት ጅቡቲ እስማኤል ዑመር ጊሌን ኣፍሪካዊ ሃፍታም ኣሊኮ ዳንጎቴን ብሓባር ትማሊ ሓድሽ ምዕራፍ ምትሕብባር ኣጀሚሮም እዮም።

እዙይ ድማ ፕሮጀክት ካብ ጅቡቲ ዳመርጆግ ክሳብ ኢትዮጵያ ደወሌ ዘራኽብ ሓዱሽ መስመር መተሓላለፊ ቱቦ ዝተፃረየ ነዳዲ እዩ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ክልቲአን ወሰናት ዝህነፁ ተርሚናላት መኸዘኒ ዘካተተ ኮይኑ፣ ብጥምረት ሆልዲንግስ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ግሩፕ ዳንጎቴን ዝፍፀም እዩ።

ቀንዲ ዕላማኡ ወፃኢ መጓዓዝያ ነዳዲን ምድንጓይን ብምንካይ፣ ቀረብ ኢነርጂ ምምሕያሽን ኮሪደር ንግዲ ኢትዮ-ጅቡቲ ዝያዳ ምቕልጣፍን እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)  ከም ዝገለፅዎ፣ እቲ ፕሮጀክት ወፃኢ ሎጂስቲክስን ምድንጓይን ብምቕናስ ውሕስነት ኢነርጂ የጠናኽር፤ ቅልጡፍነትን ዘላቒነትን መገዲ ንግዲ ኢትዮ-ጅቡቲ የዕብዮ።

ኮይኑ ድማ እዚ መሰረተ ልምዓት ካብ መስመር ቱቦ ነዳዲ ንላዕሊ ዝረአ ትርጉም ኣለዎ። ካብ ንግድን ሎጂስቲክስን ሓሊፉ፣ ኣብ ኢንቨስትመንት ኣፍሪካውያንን ሓባራዊ ልምዓትን ዝተመስረተ ዞባዊ ምትእስሳር ዘጠናኽር ሓዱሽ  ብርኪ ምትሕብባር ምትሕብባር እዩ።

እዙ ድማ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶር)  ዝምራሕ መንግስቲ መደመር ዝኽተሎ ፖሊሲ ርክብ ወፃኢ ቀዳምነት ንጎረቤት ንጅቡቲ ሓዊሱ ኣብቲ ዞባ ሓባራዊ ተጠቃምነት  ዘዕብዩ ዘተኣሳስሩ ልምዓታት ብምትግባር ዞባዊ  ምትእስሳር ንምጥንኻር ዝኽተሎ ኣንፈት የርኢ።

መፃኢግዘ ክልተኣዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዝተጀመሩ ዓበይቲ ቁጠባዊን መሰረተ ልምዓታውን ምትእስሳራት ብዝበለፀ ናብ ዝተማለአ ዞባዊ ምትእስሳር ዝሰጋገርሉ ክኸውን እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።

መራሕትን ህዝብታትን ክልቲአን ሃገራት ዘለዎም ዘመን ተሻጋሪ ምሕዝነት፣ ሓባራዊ ህልውናን እምነትን መፃኢ ምሕዝነቶም ዝያዳ ዘተኣማምን ከም ዝገብሮ ይእመን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም