እቲ ትካል ፈጠርቲ ቴክኖሎጂን ባዕሎም ዝኽኣሉ ኢንተርፕረነራትን ኣብ ምፍራይ መዳይ ግደኡ እናተዋፅአ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ መስከረም 15/2019 (ኢዜአ)፦ ኢንስቲትዩት ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ፌዴሪኢ ፈጠርቲ ቴክኖሎጂን ባዕሎም ዝኽኣሉ ኢንተርፕረነራትን ኣብ ምፍራይ መዳይ ግደኡ እናዋተዋፅአ ምዃኑ ገሊፁ።

እቲ ትካል ምንቅስቓስ ስራሑ ንሕብረተሰብ ንምልላይ ዘኽእሎን ን15 መዓልታት ዝፀንሕን 'ሰሙን ሓበሬታ' ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ዶ/ር ሃብታሙ ሙሉጌታ ኣብቲ እዋን፤ ኣብቲ ውሽጢ እቲ ትካል ዝተወደቡ ዎርክሾፖት፣ ላቦራቶሪታትን መለማመዲ ቦታታትን ምህላዎም ንማእሰይ ዓቕምን ዕድልን ከም ዝፈጥር ገሊፆም።

እቲ ትካል መንእሰያት ስራሕ ንምፍጣር ዘኽእሎም ዓቢዪ ዕድል ከም ዘተኣታተወ ጠቒሶም።

 ብመሰረት እዙይ እቲ ትካል ሃገር ክልውጡ ዝኽእሉ ፈጠርቲ ቴክኖሎጂን ባዕሎም ዝኽኣሉ ኢንተርፕረነራትን ኣብ ምፍራይ መዳይ ግደኡ እናተዋፅአ ምዃኑ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም