መፍረያይነት ስርናይ ኢትዮጵያ ኣፍሪካ ዓርሳ ምምጋብ ትኽእል እያ ዝብል ግልፂ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ - ኢዜአ ትግርኛ
መፍረያይነት ስርናይ ኢትዮጵያ ኣፍሪካ ዓርሳ ምምጋብ ትኽእል እያ ዝብል ግልፂ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 13/2019 (ኢዜኣ) መፍረያይነት ስርናይ ኢትዮጵያ ኣፍሪካ ዓርሳ ምምጋብ ትኽእል እያ ዝብል ግልፂ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።
መበል 81 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውሕመ ኣብ ኒውዮርክ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ገበርዎ መደረ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ውሕስና ምግቢ ልዑል ፀብለልታ ከም ዘመዝገበት ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝፃወር ዝተመሓየሸ ዓሌት ስርናይ ኣብ ምፍራይ ዓወት ከም ዘመዝገበት ተዛሪቦም።
ኣብ ሓፂር እዋን ኢትዮጵያ ካብ ስርናይ መምፅኢት ወፂአ ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዘለዋ ዓበይቲ ኣፍረይቲ ስርናይ እታ ሓንቲ ምዃን ክኢላ እያ ኢሎም።
ቀረብ ምግቢ ኣጀንዳ ፖለቲካ ኣብ ዝኾነሉን ሰንሰለት ቀረብ ምግቢ ዓለም ኣብ ዝተፈተነሉን እዚ እዋን መፍረያይነት ስርናይ ኢትዮጵያ ኣፍሪካ ዓርሳ ምምጋብ ትኽእል እያ ዝብል ግልፂ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈ ኣረዲኦም።