ኣፍሪካውያን ኣብ ውሕመ ፍትሓዊ ውክልና ምኽልኦም ብህፁፅ ክእረም ይግባእ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 13/2019 (ኢዜኣ) 1 ነጥቢ 6 ቢልዮን ኣፍሪካውያን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት ውክልና ምኽልካሎም ብህፁፅ ክእረም ከም ዘለዎ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።
ውሕመ ነባራዊ ኩነታት ዓለም ዘገናዘበ መሰረታዊ ሪፎርም ክገብር ይግባእ ኢሎም።
መበል 81 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውሕመ ኣብ ኒውዮርክ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ ኢትዮጵያ ውሕመ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓለም ዘለዉ ፈተንቲ ኩነታት ብዝሓሸ ዓቕሚ ምፍታሕ ንክኽእል መሰረታዊ ዝኾነ ሪፎርም ንክገብር ተተሓሳስብ ኢሎም።
ውሕመ ኣብ ማዕርነትን ፍትሓዊነትን መሰረት ዝገበረ ከምኡ እውን ነባራዊ ኩነታት ዓለም ብዘገናዘበ መልክዑ ምምሕያሽ ክግበረሉ ከም ዝግባእ ተዛሪቦም።
ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ ወሃብነት ውሳነ ንነዊሕ እዋን ተገሊላ ከም ዝፀንሐት ብምዝኽኻር፤ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ህፁፅ ሪፎርም ክገብር ከም ዘለዎ ኣረዲኦም።
"ሓቃዊ ድሌት ፖለቲካ እንተሃልዩ 1 ነጥቢ 6 ቢሊዮን ኣፍሪካውያን ማዕረ ውክልና ናይ ምርካብ መሰል ንዘበናት ምኽልካሎም ከመይ ገይሩ እዩ ሕሊና ዓለም ክቕበሎ ክኢሉ?"ክብሉ እውን ሓቲቶም።
እዚ ሕቶ ሞራልን ሓቅን ወለዶ ከም ዝኾነ እውን ፀሪሖም።
ብካሊእ መዳይ ሓባራዊ ዓምድታት ሙሉእ ብሙሉእ ቅድሚ ምፍራሶም ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ቆራፅ ስጉምቲ ብምውሳድ ጎንፅታት ንምክልኻል ጠንኪሩ ክሰርሕ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
ኢትዮጵያ ሰባት ሰብኣዊ ክብሮም ንክሕለው፣ ፍትሒ ንክረጋገፅን ፅኑዕ ሕብረት ነፃ ህዝብታት ንክኽበርን ኣብ ዘለዋ ታሪኻዊ ቆራፅነት ፀኒዓ ከም ትቕፅል እቶም ፕሬዚዳንት ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም