ኢትዮጵያ ኮፕ 32 ሓቛፍን ፍልፍል መፍትሕን ንክኸውን ብቆራፅነት ክትሰርሕ እያ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 13/2019 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውሕመ(ኮፕ 32) ሓቛፍን ፍልፍል መፍትሕን ንክኸውን ብቆራፅነት ከም ትሰርሕ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።
መበል 81 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት (ውሕመ) ኣብ ኒውዮርክ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
“ምትእምማን ዳግማይ ምህናፅን ሓደሽቲ ለውጥታት ብኣግባቡ ምምራሕን፣ ንኹሉ ዝሰርሕ ውሕመ ምፍጣር” መሪሕ ሓሳብ እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ እዩ።
ብፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፈ እዩ ዝርከብ።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውሕመ(ኮፕ 32) ከም ተዳልው ሓቢሮም።
ኮፕ 32 ዓውዲ ውልቀን ዓለም ለኸ መዳርግቲ ኣካላትን ሓዊሱ ሓቛፍን ፍልፍል መፍትሕን ንክኸውን ኢትዮጵያ ብቆራፅነት ከም ትሰርሕ ተዛሪቦም።
ኩሎም መራሕቲ ዓለም ኣብ ጉባኤ ኮፕ 32 ንክሳተፉን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ታሪኻዊ ኣሰሮም ንከዕርፉን እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም