ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኮይኖም እናገልገሉ ዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ገብረ ኣድሃ ናብ መንግስቲ ኣትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኮይኖም እናገልገሉ ዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ገብረ ኣድሃ ናብ መንግስቲ ኣትዮም
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 13 /2019 (ኢዜኣ) ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኮይኖም እናገልገሉ ዝነበሩ ነባር ኣመራርሓ ህወሓት ሜጀር ጀነራል ገብረ ኣድሃና ጉጅለ ህወሓት ምስ ታሪኻዊ ፀላእቲ ብምሕባር ሃገር ናይ ምፍራስ ልኡኽቶን ድሌትን ኲናትን ብምቅዋም ናብ መንግሥቲ ፌዴራል ኣትዮም።
እቶም ሜጄር ጄኔራል ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዝለዓለ ብርኪ ኣመራርሓ ዘገልገሉ እንትኸውን፤ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሃገር ክሕደት ክሳብ ዝፍፅም ሓላፊ ዋና መምርሒ ወፍርን ሓበሬታን ሰራዊት ምክልኻል ኮይኖም ኣገልጊሎም እዮም።
ዕድሚኦም ዘይኣኸሉ ህፃናት ከይተረፈ ብሓይሊ ናብ ኲናት ብምግፋፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ስቓይ ዝፈጥር ዘሎ እኩይ ሽርሒ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብምቅዋም እቶም ጄኔራል ካብቲ ጉጅለ ምፍላዮም እውን ህልውና ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ከም ዘብቀዐ ዘርኢ እዩ።