ምስረታ ሓዱሽ መንግስትን ሰነ-ሰርዓት መኽፈቲ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን 25 መስከረም 2019 ዓ.ም ክካየድ እዩ - ኣፈ-ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 13/2019 (ኢዜኣ): - ምስረታ ሓዱሽ መንግስትን ሰነ-ሰርዓት መኽፈቲ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን 25 መስከረም 2019 ዓ.ም ከም ዝካየድ   ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።

እቶም ኣፈ-ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ዝተኻየደ መበል 7 ሓፈሻዊ መረፃ  ሰላማዊ፣ ዴሞክራሲያዊ፣ ፍትሓውን ተኣማንን ኮይኑ ከም ዝዛዘመ ኣረዲኦም።

ብተመሳሳሊ ኣብቲ መረፃ 42 ፓርቲታት ፖለቲካ ፣ 10,438 ሕፁያትን ልዕሊ 54 ሚልዮን መረፅቲ ከም ዝተሳተፉ ኣዘኻኺሮም፡፡

ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ዓንቀፅ 50 ንኡስ ዓንቀፅ 3 ዝልዓለ ኣካል ስልጣን መንግስቲ ፌደራል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌደራል እንትኸውን ተፀዋዕነቱ ድማ ንህዝቢ እቲ ሃገር ምዃኑ ተደንጊጉ እዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዓንቀፅ 58 ንኡስ ዓንቀፅ 2 እዋን ስራሕ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መወዳእታ ሰሙን መስከረም ሰኑይ ከም ዝጅምር ብዝተደንገገ መሰረት፣ ምስረታ መንግስትን ሰነ-ሰርዓት መኽፈቲ ቤት ምኽሪን ወከልቲ ህዝብን 25 መስከረም 2019 ዓ.ም ክሳለጥ እዩ።

ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ዓንቀፅ 56 ኣብቲ ቤት ምኽሪ ኣብላጫ መቐመጢ ወንበር ዝረኸበ ፖለቲካ ፓርቲ ሕጊ ፈፃሚ ኣካል ፌዴራል ከም ዝውድብ፣ ብህዝቢ ዝተመረፀ ሓዱሽ ሕጊ  ፈፃሚ ኣካል ድማ ኣብቲ መዓልቲ በዕሊ ሓላፍነት ከም ዝረከብ ገሊፆም።

ነቲ ሰነ-ሰርዓት ሙሉእ ብሙሉእ ኣድላዪ ምድላው ከም ዝተዛዘመ ዝሓበሩ እቶም ኣፈ-ጉባኤ፤ መፃኢ ዘመን ናይ ሰላም፣ ጥዕና፣ ሓጐስ፣ ፍቕሪ፣ ሓድነትን ብልፅግናን ክኸውን ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም