ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 13 /2019 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት(ውሕመ) ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ዘትዮም።
ክልቲኦም ወገናት ጎና ጎኒ መበል 81 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውሕመ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ኣብ ጉዳያት ሰላምን ድሕንነትን እቲ ዞባ መኺሮም።
ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ንጉዕዞ ዘላቒ ልምዓት ኢትዮጵያ ብምንኣድ ትካሎም ምስ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ምትሕብባር ከም ዘጠናኽር ኣረጋጊፆም።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅ ምትሕብባር ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘትዮም።