ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኔዘርላንድስ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 13/ 2019 (ኢዜኣ) ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ሚኒስትር ጌታቸው ረዳ ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኔዘርላንድስ ቶም ቤረንድሰን ዘትዮም።
እቲ ዘተ ጎና ጎኒ መበል 81 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት ዝተኻየደ እዩ።
ኣብ ዘተኦም ድማ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ክልቲኣዊ ርክብን ሓባራዊ ትኹረት ዝደልዩ ዞባዊ ጉዳያትን ውፅኢታዊ ሓሳብ ተለዋዊጦም።
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ኣብ ሱዳን ብዘሎ እዋናዊ ኩነታትን ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ሰላም ንምርግጋፅ ትገብሮ ንዘላ ፃዕሪ ብዝምልከት ንሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኔዘርላንድስ ቶም ቤረንድሰን ገለፃ ገይረምሎም።
ብተወሳኺ እውን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኔዘርላንድስን ኣብ ዘሎ ምትሕብባር ንግዲ! ኢንቨስትመንትን ኢኮኖምን ሰፊሕ ዘተ ገይሮም እዮም።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኔዘርላንድስ ቶም ቤረንድሰን ብግደኦም፤ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ኢንቨስትመንትን ኢኮኖምን ንምስፋሕ ልዑል ድሌት ከም ዘለዋ ተዛሪቦም።
ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘተ ላዕለዎት ሰብ መዚ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከም ዘለዎ ምግላፆም እውን ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም