ሕብረት ኣፍሪካን ውሕመን ዘለዎም ሓባራዊ ጅማሮታት ብቆራፅነት ንምፍፃም ክሰርሑ እዮም

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 10/2019 (ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ኣብ ሰላም፣ኢኮኖምን ፍትሓዊ ዓለም ንምርግጋፅን ብሓባር ዘሳልጥዎም ዘለዉ ስራሕቲ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከም ዝሰርሑ ኣፍሊጦም።
መበል 81 ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት (ውሕመ) ካብ 8 መስከረም 2019 ዓ/ም ጀሚሩ “ምትእምማን ዳግማይ ምህናፅን ሓደሽቲ ለውጥታት ብኣግባቡ ምምራሕን፣ ንኹሉ ዝሰርሕ ውሕመ ምፍጣር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኒው ዮርክ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ብፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፈ እዩ ዝርከብ።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፉ እዮም ዝርከቡ።
ጎና ጎኒ እቲ ሓፈሻ ጉባኤ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ኣብ ምጥንኻር፣ማዕቐፋት ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ምጥንኻርን ንኣፍሪካ ተረባሒት ኣብ ዝገብሩ ሪፎርማት ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስን ትኹረት ዝገበረ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍን ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝን እቲ መድረኽ ብሓባር መሪሖምዎ።

እቲ ኣኼባ ክልቲኦም ትካላት ኣፍሪካ መዋቕራዊ ፈተናታት ንምፍታሕ ትገብሮም ዘላ ፃዕርታት ንምድጋፍን ፍትሓዊ ዓለም ንምፍጣርን ዘለዎም ሓባራዊ ቆራፅነት ብዝበለፀ ዘረጋገፀ ከም ዝኾነ ሓበሬታ ሕብረት ኣፍሪካ የመላኽት።

ዓለም ለኸ ኣወቓቕራ ፋይናንስ ምምሕያሽ፣ዘላቒ ምምሕዳር ዕዳን ሃገራት ኣፍሪካ ምስ ቁልፊ ሃፍትታት መዓድን ብዝበለፀ ተጠቀምቲ ምግባር ዘተ ካብ ዝተገበረሎም ኣጀንዳታት እዮም።

ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ኣኼባ ምትሕብባር ሕብረት ኣፍሪካን ውሕመን ዘለዎ ስትራቴጂካዊ ፋይዳ ኣፅንኦት ሂቦም።
ውሕመ ኣብ ኣፍሪካ ዘለዉ ፈተናታት ሰላምን ድሕንነትን ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሕብረት ኣፍሪካ ቁልፊ መሓዛ ኮይኑ ከም ዝቕፅል ዳግማይ ኣረጋጊፁ።
መዋቕር ሰላምን ድሕንነትን ኣፍሪካ ምጥንኻር፣ጎንፂ ቀዲምካ ናይ ምክልኻል ዲፕሎማስን ከይዲ ዕርቅን ብኣግባቡ ተግባራዊ ምግባርን ንፈተናታት ኣፍሪካ ኣፍሪካዊ መፍትሕታት ምርግጋጽን ዘኽእል እኹል ምህናፅ ከም ዘድሊ እውን ኣብቲ ኣኼባ ተገሊፁ።
ኣብቲ ዘተ ኣብ ዞባ ሳሄል፣ሊቢያ፣ሱዳን፣ደቡብ ሱዳን፣ሶማሊያን ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ዘለዉ እዋናዊ ጉዳያትን ፃዕርታት ሰላምን ተገምጊሞም እዮም።
ኣብቲ ኣኼባ ጎንፅታት፣ኣብ ዓለም ለኸ ሰንሰለት ቀረብ ዝተፈጠሩ ምትእጉጓላትን መስመራት በሪ ባሕርን ምዕፃው ሓዊሱ ካልኦት ግዳማዊ ኩነታት ኣብ ኢኮኖሚ ኣፍሪካን ውሕስና ምግብን ተወሳኺ ፅልዋ እናፈጠሩ ከም ዝኾኑ ተላዒሉ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብቶም ዘተታት ሓባራዊ ማእቐፍ መውሃቢ ግብረ መልሲ ንምፍጣር ኣብ ስምምዕ ከም ዝበፅሑ እውን ተገሊፁ።

ምድላው ፍኖተ ካርታ ሕብረት ኣፍሪካን ውሕመን ንምዝዛም፣ኣብ ጉዳያት ሰላም ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር፣ፈተናታት ውሕስና ምግቢ ንምፍታሕን ንሃንደበታዊ ሓደጋታት ምላሽ ምሃብን ዘኽእሉ ማዕቐፋት ኣሰራርሓ ንምሕንፃፅ ከም ዝሰርሑ ምግላፆም ሓበሬታ ሕብረት ኣፍሪካ የመላኽት።
መበል 81 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውሕመ ክሳብ 18 መስከረም 2019 ዓ/ም ክፀንሕ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም