ኢትዮጵያ ተሓዳሲ ሓይሊ ናብ ዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ረብሓታት ንምቕያር ኩለ መዳያዊ ስራሕቲ እናሳለጠት እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ተሓዳሲ ሓይሊ ናብ ዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ረብሓታት ንምቕያር ኩለ መዳያዊ ስራሕቲ እናሳለጠት እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 12/2019 (ኢዜአኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ተሓዳሲ ሓይሊ ዘለዋ ዓቕሚ ናብ ዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ትራንስፎርሜሽንን ንምቕያር እናሰርሐት ከም ዝኾነት ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።
መበል 81 ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት (ውሕመ) ካብ 8 መስከረም 2019 ዓ/ም ጀሚሩ “ምትእምማን ዳግማይ ምህናፅን ሓደሽቲ ለውጥታት ብኣግባቡ ምምራሕን፣ ንኹሉ ዝሰርሕ ውሕመ ምፍጣር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኒው ዮርክ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ብፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፈ እዩ ዝርከብ።
ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ጎና ጎኒ እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ጉባኤ ተሓዳሲ ሓይሊ ተሳቲፎም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኣጀንዳ ዓለም ለኸ ተሓዳሲ ኢነርጂ ሓይሊ ኣብ ምፍልፋል ጥራሕ ተወሲኑ ክተርፍ የብሉን።
ንኤሌክትሪክ ናብ ሓቃኢ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምቕያር ዘኽእሉ መተሓላለፊ መስመራት፣ ቴክኖሎጂታትን መሰረተ ልምዓታት መከፋፈልቲ ሓይልን ብምፋይናንስ ኣብ ምድጋፍ ትኹረት ክግበር ኣለዎ ኢሎም።
ልዑል ዓቕሚ ተሓዳሲ ሓይሊ ዘለወን ሃገራት ዘለወን ሃፍቲ ናብ ዘተኣማምን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ፣ ዕቤት ኢንዱስትርን ሓቛፊ ብልፅግናን ንምልዋጥ ጠንካራ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ከም ዘድልየን ኣረዲኦም።
ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ዓለም ለኸ ደገፍ ፋይናንስ ሓህሊ ካብ ምፍልፋል ጀሚሩ ክሳብ መተሓላለፊ፣ መከፋፈሊ፣ መዋህለልን ቀረብ ሓይሊ ገዛ ንገዛን እውን ዝሓዘ ክኸውን ከም ዘለዎ ተዛይ።
ኢትዮጵያ ንዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ዝሃነፀቶ ብናይ ባዕላ ዓቕምን ብሰፊሕ ህዝባዊ ጎስጓስን ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ዋንነት ውሽጢ ሃገርን ቆራፅነትን ክንደይ ዝኣክል ወሳኒ ከም ዝኾነ መርኣያ እዩ ኢሎም።
ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ጎና ጎኒ ባዕላዊ ዓቕሚ ዘበናዊ መሰረተ ልምዓታት ሓይሊ ንምዝርጋሕ ዘኽእለን ሰፊሕ ኢንቨስትመንት ንምርካብ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ፋይናንስ ኣድላይ ከም ዝኾነ ገሊፆም።
መርሃ ግብሪ 'RISED' ሕብረት ኣፍሪካ፣ ባንኪ ዓለምን ባምኪ ልምዓት ኣፍሪካን መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ ምምዕባልን ምጥንኻርን ንዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦ እውን ምስጋና ኣቕሪቦም።
ኢንቨስትመንት ተሓዳሲ ሓይሊ ኣብ ውሑዳት ዝማዕበላ ሃገራት ጥራሕ ተወሲኑ እንተተሪፉ ዓለም ለኸ ስግግር ኢነርጂ ከም ዘይዕወት ሓቢሮም።