ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ሚኒስትር ጌታቸው ረዳ ምስ ረዳት ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጉዳያት ኣፍሪካ ኣሜሪካ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 11/2019(ኢዜኣ) ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ሚኒስትር ጌታቸው ረዳ ምስ ረዳት ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጉዳያት ኣፍሪካ ኣሜሪካ ፍራንክ ጋርሺያ ዘትዮም።

ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ሚኒስትር ጌታቸው ረዳ ጎናጎኒ መበል 81 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት ምስ ረዳት ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጉዳያት ኣፍሪካ ኣሜሪካ ፍራንክ ጋርሺያ ዘትዮም።


 

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሓባራዊ ድሌታት ከምኡ እውን ኣብ ጉዳያት ዞባዊ ሰላምን ድሕንነትን ዝዘተዩ እንትኸውን፤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዘሎ ርክብ ንግድን ኢኮኖምን ምጥንኻር ኣድላይ ከም ዝኾነ ምግላፆም እውን ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ የመላኽት።

ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ኣብ ወርሒ ግንቦት 2018 ዓ/ም ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ሰለስተ ዋና ዋና ዓውድታት ማለት እውን ኣብ ብልፅግና ኢኮኖሚ፣ ንግድን ኢንቨስትመንትን፣ ምትሕብባር ምክልኻልን ድሕንነትን ከምኡ እውን ኣብ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋዕን ዝጠመተ ክልቲኣዊ ዘተ ምግባረን ዝዝከር እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም