በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ንቴሌቪዥን ትግራይ ኣጊዱ - ኢዜአ ትግርኛ
በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ንቴሌቪዥን ትግራይ ኣጊዱ
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም/11/2019(ኢዜኣ) በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ንቴሌቪዥን ትግራይ ከም ዝኣገደ ኣፍሊጡ።
እቲ በዓል መዚ ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፤ እቲ ጣብያ ቴሌቪዥን ድሕንነት ህዝብን ሃገርን ከምኡ እውን ብሄራዊ ረብሓ ኣብ ሓደጋ ዘውድቑን ናብ ጎንፂ ዘምርሑን መልእኽትታት ብተኸታታሊ እናተመሓላለፍሉ ከም ዝርከብ ገሊፁ።
ሙሉእ መግለፂ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-
ቴሌቪዥን ትግራይ (Tigray TV) ምእጋዱ ይምልከት
ኣብ መንጎ መንግሥቲ ፌዴሪኢን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተገበረ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ፤ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብዝገበሮ ዘተን ብዝተብፅሐ ስምምዕን ኣብ ልዕሊ ቴሌቪዥን ትግራይ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ብምልዓል ናብ ስራሕ ከም ዝተመለሰ ዝፍለጥ እዩ።
ብተወሳኺ እውን እቲ በዓል መዚ ንጋዜጠኛታትን ሰብ ሞያን ቴሌቪዥን ትግራይ ስልጠናታት ህንፀት ሰላምን መዕበዪ ብቕዓት ሞያን ብምሃብ እቲ ሚድያ ናብ ሕገ መንግስታውን ሞያውን መስመር ንክምለስ ፃዕሪ እናገበረ ፀኒሑ እዩ።
ይኹን እምበር ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ ቴሌቪዥን ትግራይ ብዝተውሃቦ ዕድል ተጠቒሙን ሞያዊ ስነ ምግባር ኣኽቢሩን ኣገልግሎት ኣብ ክንዲ ምሃብ ድሕንነት ህዝብን ሃገርን ከምኡ እውን ብሄራዊ ረብሓ ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ፣ናብ ጎንፂ ዘምርሑን ፅንፈኝነት ዘተባብዑን መልእኽትታት ብተኸታታሊ እናተመሓላለፍሉ ከም ዝርከብ ውፅኢት ግምገማ ትሕዝቶ ሚድያና የረጋግፅ።
ስለ ዝኾነ ድማ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ብሕጊ ዝተውሃቦ ሓላፍነት መሰረት ብምግባር ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ቴሌቪዥን ትግራይ ንዘይተወሰነ ግዜ እገዳ ከም ዘነበረ ይገልፅ።
መተሓሳሰቢ፦
ዝኾነ ዲጂታል ሚድያ፣ ብሮድካስት ሚድያን ሚድያ ሕትመትን ንቴሌቪዥን ትግራይ ከም ፍልፍል ሓበሬታ ምጥቃም ወይ ድማ እቲ ጣብያ ቴሌቪዥን ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዝዝርግሖም ትሕዝቶታ ምዝርጋሕን ምግዋሕን ብጥቡቕ ዝተኸልከለ እዩ። እዚ መምርሒ ተመሓላሊፉ ኣብ ዝርከብ ዝኾነ ሚድያ እቲ በዓል መዚ ኣድላይ ሕጋውን ምምሕዳራውን ስጉምትታት ዝወስድ ከም ዝኾነ ኣጥቢቑ የተሓሳስብ።
በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ፣ ኢትዮጵያ