ግብፂ ልዑል ሃፍቲ ማይ እናሃለዋ ድኹም ምሕደራ ማይ ትኽተል ሃገር እያ - ኣይተ ጌታቸው ረዳ - ኢዜአ ትግርኛ
ግብፂ ልዑል ሃፍቲ ማይ እናሃለዋ ድኹም ምሕደራ ማይ ትኽተል ሃገር እያ - ኣይተ ጌታቸው ረዳ
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 9/2019 (ኢዜኣ): -ግብፂ ልዑል ሃፍቲ ማይ እናሃለዋ ድኹም ምሕደራ ማይ ትኽተል ሃገር ምዃና ኣማኻሪ ሚኒስትር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ግብፂ ንሩባ ኣባይ ናይ ባዕላ ጥራሕ ገይራ ናይ ምርኣይ ድሑር ኣካይዳ ከምትኽተል ተዛሪቦም።
ቅዋም ግብፂ ንሓቀኛን ቀንዲ መበቆል እቲ ሩባ ሓዊሱ ፍፁም ሓቂ ዝኽሕድ ናይ ድፍረት ኣካይዳ ምዃኑ ብምጥቃስ፤ እዙይ ድማ ፈፂሙ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ ኢሎም።
ግብፂ ምስ ሳይንስ ብዝፃረር መገዲ ኣብ ኣጠቓቕማ ሩባ ኣባይ ተሰጉሞ ጉጉይ ኣካይዳ ግብፃውያን “ታሪኻዊ መሰላት” ብዝብል ጌጋ ስምዒት ዋንነት ክስመዖም ከም ዝገበረ ገሊፆም።
“ታሪኻዊ መሰል” ዝብል ሓሳብ ነቲ ማይ ቀዲሙ ምጥቃም ዝጀመረ ኣካል ንዘለኣለም ክቆፃፀሮ ኣለዎ ካብ ዝብል ስሱዕ ኣተሓሳሰባ ዝብገስ ምዃኑ ኣመላኺቶም።
ግብፂ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ትኽተሎ ፅንሰ-ሓሳብ “ውሕስና ማይ” እዋኑ ዝሓለፎ ድልየት ልዕልና ሓደ ወገን ምዃኑ እውን ኣይተ ጌታቸው ኣብሪሆም።
እዙይ ኮነ ተባሂሉ ንፖለቲካዊ ረብሓ ዝተፈጠረ ጌጋ ተረኽ ምዃኑ እውን ተዛሪቦም።
ግብፂ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ድኹማት ምሕደራ ማይ ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፣ ኣብ በረኻ ከባቢታት ዝርከቡ ከም ቱሽካ ዝመሳሰሉ ልዑል መጠን ማይ ዝሓቱ ፕሮጀክታት ናይዚ ብኽነት ዝትመልኦ ኣጠቓቕማ መርኣያ እዮም ኢሎም።
ኣብ ግብፂ ኣብ ዝርከብ ግድብ ኣስዋን ዝረአ ዓመታዊ መጠን ትነት ማይ፣ ኣብ መኽዘናት ማይ ኢትዮጵያ ካብ ዝቕመጥ መጠን ማይ ብዕፅፊ ዝዓበየ ምዃኑ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ሞንጎ ቀንዲ መበቆል ሩባ ኣባይ ኣብ ዝኾነት ኢትዮጵያን ሰፊሕ ዓቕሚ መስኖ ዘለዋን ሱዳንን ሰላም ከይህሉ ግብፂ ክትሰርሕ ከም ዝፀንሐት ብምልዓል፣ ኣብ ሱዳን ዘሎ ቅልውላው እታ ሃገር ማይ ከይትጥቀም ንምግባር ግብፂ ትኽተሎ ስትራተጂ እዩ ኢሎም።
ግብፂ ዘለዋ እንኮ መገዲ እዋኑ ዝሓለፎ ኣካይዳ ብምግዳፍ ምስ ነባራዊ ሓቂ ምትዕራቕ ምዃኑ እውን ተዛሪቦም።