ብምኽንያት ዓለም ለኻዊ ለውጢ ኣየር ንብረት ክበፅሕ ንዝኽእል ፀቕጢ መልሲ ምሃብ ዘኽእል ምድላው ተገይሩ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 9/2019 (ኢዜአ): - ብምኽንያት ዓለም ለኻዊ ለውጢ ኣየር ንብረት ክበፅሕ ንዝኽእል ፀቕጢ መልሲ ምሃብ ዘኽእል ምድላው ከምዝተገበረ ኮሚሽን ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ትካል ሜትሮሎጂ ዓለም ክስተት ኤልኒኖ ብዓለም ለኸ ብርኪ ልዑል ወሰኽ ሙቐትን ምዝባዕ ኣየር ንብረትን ከምዘስዕብ ኣፍሊጡ።

እዚ ክስተት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካን ገለ ከባቢታት ኢትዮጵያን ዝለዓለ ደርቂ፣ ኣብ ካልኦት ድማ ዝለዓለ ሓደጋ ውሕጅ ከስዕብ ከም ዝኽእል ሓበሬታታት የመልኽቱ።

ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣይዱሩስ ሓሰን ንኢዜአ ከም ዝገለፅዎ፣ ኤልኒኖ ቅድም ኢሉ በቢዓሰርተን ሓሙሽተ ዓመታት ተደጋጋሚ ክስተታት ኣርእዩ እዩ።

ቅድሚ ሐዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ካብ ዘጋጠመ ሓደጋ ኤልኒኖ ብርክት ዝበሉ ትምህርቲታት ከም ዝተወስዱ ገሊፆም።

ሓበሬታታት ዓለም ለኸን ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያን ከም ዘመላኽትዎ፣ ኣብ 2018/19 ዓ.ም. ሓዱሽ ክስተት ኤልኒኖ ከጋጥም ትፅቢት ይግበር።

ስለዝኾነ እቲ ኮሚሽን ነዚ ፀቕጢ ንምንካይ ዘኽእሉ ሓፈሻዊ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው የካይድ ኣሎ ኢሎም።


 

እቲ ትካል ንእዋናዊ ፀገማት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሑ ፀገማት ዝፈትሑሉ ዓቕሚ ኣብ ምህናፅ ከም ዝርከብ እውን ኣፍሊጦም፡፡

ብብርኪ ሃገር ንክስተት ኤልኒኖ ዘሎ መጠን ተቓላዕነት ንምፍላይ፡ ምምንካይን ንምፅዋርን ስትራተጂ ምድላዉ እውን ገሊፆም።

ብምኽንያት ሕፅረት ዝናብ ዘጋጥሙ ጉዳኣታት ኣቐዲምካ ንምክልኻል ብመተሓባራይነት እቲ ኮሚሽን ካብ ፈደራል ክሳብ ታሕተዋይ መዋቕር ምስ ዘለዎ ትካላት ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ይስራሕ ምህላዉ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም