ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ካብ ጥፍኣት ወፃኢ ዝረብሖ ነገር የለን-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 8/2019 (ኢዜኣ) ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ካብ ጥፍኣትን መከራን ወፃኢ ዝረብሖ ነገር ከም ዘይብሉ ኣማኻሪ ሚኒስትር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ህዝቢ ትግራይ መወዳእታ ንዘይብሉ ዕንክሊል መከራን ጥፍኣትን ካብ ምቅላዕ ወፃኢ ዝረብሓ ነገር ከም ዘየለ ሓቢሮም።
መንገዲ ጥፍኣት እቲ ጉጅለ ህዝቢ ትግራይ ካብ ልቡ ንዝምነዮ ሰላምን ምርግጋዕን ብተፃራሪ ጠጠው ዝበለ እዩ ኢሎም።
ኩነታት ዓለምን ሃገርን ኣብ ዝተለወጠሉ እዚ እዋን መራሕቲ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ግና ኣብ ኣረጊትን ፀቢብን ኣተሓሳስባ ፖለቲካ ጠጠው ኢሎም ከም ዝተረፉ ኣረዲኦም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብቲ ክልል ዝበፅሐ ጥፍኣት ካብ መንገዲ ጥፍኣት እቲ ጉጅለ ዝፍልፍል ከም ዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ናይዚ እዋን ወለዶ ሓዱሽ ኣተሓሳስባን ሓቃዊ ድሌት ሰላምን ከም ዘለዎ ብምግላፅ፤ ይኹን እምበር ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ እዋኑ ብዝሓለፎ ኣተሓሳስባ ናብ ካሊእ ዙር ጎንፅን ቅልውላውን ንምእታው እናሰርሑ ከም ዝርከቡ ኣረዲኦም።
ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ኲናት ንምቁራፅን እቲ ህዝቢ እውን ናብ ስሩዕ ሂወቱ ንክምለስን ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ይኹን እምበር ኣመራርሓ ጉጅለ ህወሓት ነቲ ስምምዕ ናይ ባዕሎም ስልጣን ንምቕፃል ነቲ ስምምዕ ኮነ ኢሎም ከም ዘተዓናቐፍዎ ተዛሪቦም።
ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣብ ውሽጢ ፀገም ዝነብሩ ዜጋታት እውን ናብ መረበቶም ንከይምለሱ ብምኽልካል ንፖለቲካዊ ሸቐጥ እናተጠቐመሎም እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ሰላም ዘይደልዩ ኣመራርሓ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ነቲ ህዝቢ ኣብ ፀገም ኣቃሊዖም ካብቲ ቅልውላው ትርፊ ንምርካብ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኮንርሮባንድን ወርቅን ከም ዝተዋፈሩ ሓቢሮም።
መናእሰይ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ጉጅለ ዘብፅሐሎም ዘሎ ግፍዕን ጭቆናን ካብቲ ክልል እናተወፁን እናተሰደዱን ከም ዝኾኑ እውን ፀሪሖም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ድሕንነትን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ንጎኒ ብምግዳፍ ምስ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ሓዱሽ ርክብ ፖለቲካ ከም ዝፈጠሩን እዚ ድማ ኣዝዩ መሕፈሪ ተግባር ከም ዝኾነን ገሊፆም።
ስለ ዝኾነ ድማ ሓቃዊ ሰላም ንምምፃእ ነዚ ጉጅለ ጥፍኣት ብቆራፅነት ብምቅላስ ጥራሕ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ህዝብን መንእሰይን ትግራይ ነዚ ጉጅለ ብምቅላስ እቲ ክልል ናብ ሰላምን ልምዓትን ንምምላስ ክፅዕሩ ኣለዎም ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም