ከባቢ 300 ዕጡቓት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኢዶም ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 8/2019(ኢዜኣ) ከባቢ 300 ዕጡቓት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ከባቢ ተከዘ ንዝርከብ እዚ ሰሜን ምዕራብ ኢዶም ሂቦም።
ኣብ ግንባር ምዕራብ ንኣንፈት ተከዘ ፍሉይ ቦታ ኣብ ድልድል ተከዘ ብየማንን ፀጋምን ኣንፈት ንሰራዊት እዚ ሰሜን ምዕራብ ኢዶም ዝሃቡዕጡቓት እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ምስ ፀላኢ ህዝቢ ኢትዮጵያን ንህዝቢ ትግራይ እናጨፍጨፈ ዝነበረን ሻዕብያ ፅምዶ ብዝብል ዝፈጠርዎ ርክብ ንህዝቢ ትግራይ ዘይጠቅም ከም ዝኾነ ገሊፆም።



እዝ ብምርዳእ እውን ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ቀዲሞም ብዝፈጠርዎ ብምዝርራብን መንገዲ ብምምችቻውን ኢዶም ከም ዝሃቡ ሓቢሮም።
ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ዝፍታሕ ብብረት ከም ዘይኮንር ብምርዳእ ልዕሊ 280 መሳርሕታት ውልቀን ጉጅለን፣ ብርክት ዝበሉ ተትኮስቲ፣ መነፅር ውግእን ዝተፈላለዩ ዶኩመንትታትን ሒዞም ኢዶም ሂቦም።
ድሌት ዓርሶም ካብ ተሓታትነት ንምድሓን መንእሰይ ትግራይ ብምግፋፍ ናብ ኲናት ንምጥቑጣቕ ዝሰርሑ ዘለዉ ሰረቕትን ዘይሕጋዊ ዓደንቲ ወርቅን ኣመራርሓ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ከም ዘይቕበልዎ እውን ተዛሪቦም።



ካብቶም ኢዶም ዝሃቡ ካብ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ጀሚሩ በቢ ብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓ ሻለቃን ሻምበልን ከም ዝርከብዎም ዝገለፀ እቲ እዚ፤ እዚ ድማ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ብዘይ ድሌቱ ብሓይሊ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዝዋጋእ ከም ዝኾነ እዩ ዘርኢ ኢሉ።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ካብ ዕንክሊል ኲናት ንክወፅእ ድሌት ዘይብሉ ብሽም ፅምዶ ነቲ ህዝቢ ሕዚ እውን ናብ ዝኸፍአ ፀገም ንምቅላዕ ዝፅዕር፣ ዝቐረበሉ ኣማራፂ ሰላም ዘይቕበል፣ ብህዝቢ ትግራይ እውን ተቐባልነት ዘይብሉ ከም ዝኾነ እቶም ኢዶም ዝሃኡ ዕጡቓት ኣረዲኦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ንጉጅለ ህወሓት ብምፅላእን ሰላም ብምምራፅን ኢዶም ንምሃብ ዝፅበዩ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ትግራይ ከም ዘለዉ ዝገለፁ እቶም ኢዶም ዝሃቡ ዕጡቓት፤ ህዝቢ ትግራይ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምንፃልን ሰላማ ንምኽላእን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ነቲ መንእሰይ ብሓይሊ እናገፈፈ ንኲናት እናዳለወ ከም ዝርከብ ገሊፆም።



ብሓይሊ ተገዲዱ ዝኣተወ መንእሰይ ትግራይ እውን እዚ ፈሊጡን ተረዲኡን ግዜን ኩነታትን እንትመቻቸወሉ ኢዱ ንምሃብ ድሉው ከም ዝኾነ ካብ ሚድያ ምክልኻል ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም