ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኤልኒኖ ከስዕቦ ዝኽእል ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ሃገራት እቲ ዞባ ስጉምቲ ቅድመ መጠንቀቕታን ቅድመ ትንበያን ክወስዳ ኣለወን - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኤልኒኖ ከስዕቦ ዝኽእል ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ሃገራት እቲ ዞባ ስጉምቲ ቅድመ መጠንቀቕታን ቅድመ ትንበያን ክወስዳ ኣለወን
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም/ 7/2019 (ኢዜኣ) ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኤልኒኖ ከስዕቦ ዝኽእል ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ሃገራት እቲ ዞባ ስጉምቲ ቅድመ መጠንቀቕታን ቅድመ ትንበያን ክወስዳ ከም ዘለወን በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ኣፍሊጡ።
ኢጋድ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኤልኒኖ ዘስዕቦ ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ሃገራት እቲ ዞባ ክገብርኦ ዝግባእ ምድላው ብዝምልከት ኣብ ኣዲስ ኣበባ መድረኽ ዘተ የካይድ ኣሎ።
ምክትል ዋና ፀሃፊ ኢጋድ መሐመድ ኣብዲ ዋሬ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኩነታት ኤልኒኖ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ልዕሊ ሂወትን ንብረትን ሃደጋ ከስዕብ ይኽእል እዩ።
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ካብቲ ንቡር ዝተፈለየ ልዑል መጠን ዘለዎ ዝናብ ከስዕብ ከም ዝኽእል ሓበሬታታት ትንበያ ኩነታት ኣየር ከም ዘርእዩ ሓቢሮም።
ኤልኒኖ ተፈጥሮኣዊ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ መጠን ዝናብ ኣብ ልዕሊ ግብርና፣ምርባሕእንሰሳትን ውሕስና ምግብን ከስዕቦ ዝኽእል ፅልዋ ምቕናስ ከም ዝከኣል እውን ኣረዲኦም።
ስለ ዝኾነ ድማ ኤልኒኖ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ከስዕቦ ዝኽእል ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ሃገራት እቲ ዞባ ስጉምቲ ቅድመ መጠንቀቕታን ቅድመ ትንበያን ክወስዳ ኣለወን ኢሎም።
ሓበሬታታት ቅድመ መጠንቀቕታ ቅድሚ 24 ሰዓታት ምብፃሕ ጥራሕ መጠን እቲ ሓደጋ ብ30 ሚኢታዊ ምቕናስ ከም ዘኽእል ተዛሪቦም።
ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን መሓዙት እውን ኤልኒኖ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ምክልኻል ዘኽእል ደገፍን ምትሕብባሮምን ንከርእዩ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።