ምርግጋፅ ዋናንነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ጉዳይ ምርግጋፅ ብሄራዊ ረብሓን ኢኮኖሚያዊ ልኡላውነት እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 7/2019 (ኢዜኣ)፦ ምምላስ ዋናንነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ጉዳይ ምርግጋፅ ብሄራዊ ረብሓን ኢኮኖሚያዊ ልኡላውነት ምጥንኻር ዞባዊ ሰላምን ምዃኑ ኣማኻሪ ሚኒስትር ጉዳይ መናእሰይ ስፖርትን ቀዳማይ ሚኒስትር ቀጀላ መርዳሳ ገሊፆም።

ኣካዳሚ ኣመራርሓ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይን ኣፍደገ ባሕሪን ዝመልከት ምይይጥ ፓነል የካይድ ኣሎ።

ኣማኻሪ ሚኒስትር ጉዳይ መናእሰይ ስፖርትን ቀዳማይ ሚኒስትር ቀጀላ መርዳሳ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ኢኮኖሚ፣ ፀጥታ፣ ኣቕርቦት ሓይሊን ንግዳዊ ምትእስሳርን ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰረ እዩ።

ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዓለምለኻዊ መስመራት ንግድን መተሓላለፊ ሓይሊ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ንተበፃሕነት ንግዲ ኢትዮጵያ ፣ ዓቕሚ ሎጂስቲክስ ፣ ኢኮኖሚያዊ ተወዳዳሪነትን ፀጥታን ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ጉዳይ ምርግጋፅ ብሄራዊ ረብሓ፣ ኢኮኖሚያዊ ልኡላውነትን ምርግጋፅ ዞባዊ ሰላምን ምዃኑ ገሊፆም።

ኣባል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ሕዝቢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፤ ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ታሪኽ፣ ጂኦግራፊ፣ ኢኮኖሚን ኩነታት ፀጥታን ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰረ ዘላቒ ሃገራዊ ኣጀንዳ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ቕርበት ጂኦግራፊ ፣ ቁፅሪ ህዝብን ብቕልጡፍ እናዓበየ ዝመፅእ ዘሎ ኢኮኖሚን ኣድላይነት ኣፍደገ ባሕሪ ዘጉልህ እዩ ኢሎም።

ካብ ሃገራዊ ረብሓ ሓሊፉ ምስ ጎረባብቲ፣ ካልኦት ሃገራት ኣፍካን ኢሉ እውን ምስ ዓለምለኻዊ ስርዓትን ዝህሉ ኢኮኖሚያዊን ምትእስሳር ፀጥታን ክፅናዕ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ብሰላማውን ዲፕሎማሲያውን መገዲ፣ ብስምምዕን ብምትሕብባርን መፍትሒ ክረክብ ኣጥቢቓ ትደልይ እያ ኢሎም።

ፕሬዝዳንት ኣካዳሚ ኣመራርሓ ኣዲስ ኣበባ ጣሰው ገብሬ (ዶ/ር) ብወገኖም፤ ጉዳያት ኣፍደገ ባሕሪን ናይልን ምስ ረብሓታት ናይ መፃኢ ኢኮኖሚ፣ ደሕንነትን ምትእስሳርን ኢትዮጵያን እቲ ከባቢን  ተመዚኑ ክመራሕ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ጉዳያት ኣፍደገ ባሕሪን ናይልን ብዘተ፣ ብምትእምማን፣ ብሕጋዊ ማዕቀፋትን ናይ ኩሎም ህዝብታት ዘላቒ ናይ ሓባር ረብሓ ኣብ ግምት ብምእታውን ክመራሑ ኣለዎም ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም