ስርዓት ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ንዝተሓላለኹ ሓደጋታት ብብቕዓት ምላሽ ምሃብ ዘኽእል ዓቕሚ ይሃንፅ ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ስርዓት ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ንዝተሓላለኹ ሓደጋታት ብብቕዓት ምላሽ ምሃብ ዘኽእል ዓቕሚ ይሃንፅ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 7/2019 (ኢዜኣ)፦ ስርዓት ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ንዝተሓላለኹ ሓደጋታት ብብቕዓት ምላሽ ምሃብ ዘኽእል ዓቕሚ ይሃንፅ ምህላዉ ኮሚሽን ምምሕዳር ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣብ ድልዉነት ኤልኒኖ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ትኹረት ዝገበረ ዞባዊ ዝለዓለ መድረኽ ምኽክር ኣብ ኣዲስ ኣበባ የካይድ ኣሎ።
ምክትል ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣይተ ኣይድሩስ ሓሰን ኣብዚ እዋን፤ ሓደጋ ድሕሪ ምኽሳቱ ካብ ዝግበር ርብርብ ንላዕሊ ኣብ ትንበያ ቅድመ ምክልኻል ሓደጋ ተመርኪስካ ዝውሰድ ስጉምቲ ወሳኒ ምዃኑ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ቅድመ ትንበያ ሓደጋ፣ ኣብ ድሉውነት ቅድመ ምክልኻልን ኣብ ቅፅበታዊ ኣወሃህባ ምላሽ ሓደጋን ውፅኢታዊ ዓቅሚ ድሉውነት ኣብ ምህናፅ ብትኹረት ይሰርሕ ምህላዋ ተዛሪቦም።
ብፍላይ ኣብ ስርዓት ምሕደራ ሓደጋ ግንዛበ ብምዕባይ ዝተፈላለዩ ዓውድታትንን መዳርግቲ ኣካላትን ዘካተተ ስርዓት ኣሰራርሓ ብምቕራፅ ተግባራዊ እናገበረ ከም ዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡
ፈንድ ምላሽ ሓደጋ ኢትዮጵያ እውን ንቅድመ ድሉውነትን ግምገማን ዝኸውን ምቹው ዓቕሚ ብምፍጣር ማዕቀፍ ፋይናንስ ይህብ ምህላዉ ገሊፆም።
ኣባል ሃገራት በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)እውን ካብ ተግባር ብምቕዳም ዓቕሚ ምላሽ ሓደጋ ዘዕቢ መተሓላለዊ ኣሰራርሓ ፋይናንስ ክዝርግሑ ከምዘለዎም ፃውዒት ኣቕሪቦም።