ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብምዃን ንሳልሳይ ግዜ ተመሪፆም

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 5/2019 (ኢዜኣ) ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብምዃን ንሳልሳይ ግዜ ተመሪፆም።
መበል 18 ስሩዕን ሓፈሻዊ ጉባኤ መረፃን ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ /ECA/ ይካየድ ኣሎ።
እቲ ሓፈሻ ጉባኤ በይኖም ብሕፁይነት ንዝቐረቡ ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ንቀፃሊ 4 ዓመታት ነቲ ፌዴሬሽን ብፕሬዚዳንትነት ንክመርሑ መሪፁ።
ኣይተ ኢሳይያስ ጅራ ካብ ዝተውሃቦ 88 ድምፅታት 81 ከም ዝረኸቡ እውን እቲ ፌዴሬሽን ኣፍሊጡ።
ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ካፍን ቀዋሚ ኮሚቴ ፊፋን ዝኾኑ ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ካብ ግንቦት 2010 ዓ/ም ጀሚሮም ነቲ ፌዴሬሽን ብፕሬዚዳትነት እናመርሑ እዮም ዝርከቡ።
ብተወሳኺ እውን ኣይተ ኣለሙ መግራ ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ፌዴሬሽን ኮይኖም ተመሪፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም