ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንመጀመሪያ እዋን ኣብ ኣፍሪካ ክካየድ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንመጀመሪያ እዋን ኣብ ኣፍሪካ ክካየድ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 5/2019 (ኢዜኣ)፦ መበል 22 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም እ.ኣ.ኣ ኣብ 2029 ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ክካየድ እዩ።
ቤት ምኽሪ ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ኣሰናዳእቲ ከተማታት ውድድር 2029ን 2031ን ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።
ብመሰረት እዚ እ.ኣ.ኣ ኣብ 2029 መበል 22 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ኬንያ ንኽካየድ እቲ ቤት ምኽሪ ወሲኑ ኣሎ።
ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ መሬት ኣፍሪካ እንትካየድ ኣብ ታሪክ 43 ዓመታት እቲ ውድድር ንመጀመሪያ እዋን እዩ።
ናይሮቢ ውድድር 2029 ምትእንጋዳ ንኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ታሪኻዊ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ።
ኬንያ ቅድሚ ሐዚ ሻምፒዮናታት ዓለም ትሕቲ 18 ዓመት ትሕቲ 20 ዓመትን ከምኡ’ውን ኣብ ብዓለምለኸ ብርኪ ፅቡቕ ስም ዘለዎ ውድድር «ኪፕ ኬይኖ ክላሲክ» ምትእንጋዳ ነዚ ዓወት ዓቢይ መሰረት ኾይኑዋ እዩ።
ናይ ጀርመን ከተማ ሙኒክ እ.ኣ.ኣ ኣብ 2031 ዝካየድ መበል 23 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ክተዳሉ ተሓርያ ኣላ።
ሙኒክ ነቲ ሻምፒዮና ክተዳሉ እዙይ ንሳልሳይ እዋን ምዃኑ ኣትሌቲክስ ዓለም ኣፍሊጡ ኣሎ።
ፕሬዚዳንት ኣትሌቲክስ ዓለም ሰባስቲያን ኮ ነቲ ውሳነ ብዝመልከት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ ኣሰናዳእቲ ከተማታት ንምሕራይ ዝተገበረ መስርሕ ዘሀንጡ ከምዝነበረ ገሊፆም።
ናይሮቢን ሙኒክን ንኣህጉራተን ፍሉያት ዕድላት ዝመፅኡ ኣእማንቲ ትልምታት ብምቕራበን ክሕረያ ከምዝኽኣላ ተዛሪቦም።
መበል 21 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም እ.ኣ.ኣ ኣብ 2027 ኣብ ቻይና ቤጂንግ ክካየድ እዩ። ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም እ.ኣ.ኣ ኣብ 1983 ኣብ ፊንላንድ ሄልሲንኪ ዝተጀመረ ውድድር እዩ።