በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያ ካብ ኣሜሪካ ዝተመለሱ 17 መፃሕፍቲ ብራና ንሸውዓተ ዝተፈላለዩ ትካላት ኣረኪቡ - ኢዜአ ትግርኛ
በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያ ካብ ኣሜሪካ ዝተመለሱ 17 መፃሕፍቲ ብራና ንሸውዓተ ዝተፈላለዩ ትካላት ኣረኪቡ
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 5/2019 (ኢዜኣ)፦ በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያ ካብ ኣሜሪካ ዝተመለሱ 17 መፃሕፍቲ ብራና ንሸውዓተ ዝተፈላለዩ ትካላት ኣረኪቡ፡፡
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ዝተረከቡ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያ ረዳት ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው ከምዝበልዎ፤ ንስራሕቲ ምምላስ ሓድጊ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂቡ ብዝተገበረ ፃዕሪ ብዙሓት ሓድግታት ምምላስ ተኻኢሉ እዩ።
ሎሚ ክቡራት ሓድግታት ኢትዮጵያ ናብ ሃገር ዝተመልሱሉ ዓብዪ መዓልቲ ምዃኑ ብምሕባር፤ ካልኦት ሓድጋታት ናይ ምምላስ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ከምዝቐፅልን ኣብ ዝቕፅል እውን ብዙሓት ሓድግታት ኢትዮጵያ ናብ ሃገር ውሽጢ ከምዝኣትዉን ኣመላኺቶም።
ኣተሓሒዞም እውን እቶም ሓድግታት ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ፃዕሪ ንዝገበሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ ኤልያስ ሽኩር ብወገኖም፤ ካብ ኢትዮጵያ ወፂኦም ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ጥንታውያን ሓድግታትን መፃሕፍትን ካብ ዝተፈላለዩ አካላት ተኣኪቦም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይግበር ኣሎ ኢሎም።
ብመሰረት እዙይ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ካብ 67 ንላዕሊ ሓድግታት ናብ ሃገር ምምላስ ምኽኣሉን ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝተሰራሐ ገሊፆም።
ሎሚ ዝተመልሱ መፃሕፍቲ ብራና ምስክራት ፍልጠት ታሪኽ ነዊሕ ዘመን ኢትዮጵያ ምዃኖም ኣመላኺቶም።
ኣባል ኮሚቴ መምለሲ ሓድጊ ዶክተር ኣሉላ ፓንክኸርስት ብወገኖም፤ እዞም 17 መፃሕፍቲ ብራና ብሓደ ምምላሶም ነቲ ፍፃመ ፍሉይ ከምዝገብሮ ብምግላፅ፣ ንዝተመልሱ ሓድግታት ፍሉይ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ አካላትን ጉጅለታትን ምስጋናኦም ኣቕሪቦም።
እቶም ዝተመልሱ መፃሕፍቲ ብራና ዝተረከቡ ሸውዓተ ትካላት፦ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኢትዮጵያ፣ ኤጀንሲ ብሄራዊ መዛግብትን ቤተ መፃሕፍትን ኢትዮጵያ፣ በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያ፣ ትካል መፅናዕትን ምርምርን ኢትዮጵያ፣ ማሕበረ ቅዱሳን፣ ሴሚናሪ መካነ ኢየሱስን ኣካዳሚ ሃይሌ ማናስ እዮም።