ኣኩቴክ ዲያግኖስቲክ ማእኸል ቱሪዝም ሕክምና ንምግባር ንዝተትሓዘ ዕላማ ምዕዋት ተወሳኺ ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣኩቴክ ዲያግኖስቲክ ማእኸል ቱሪዝም ሕክምና ንምግባር ንዝተትሓዘ ዕላማ ምዕዋት ተወሳኺ ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 5/2019 (ኢዜኣ)፦ ኣኩቴክ ዲያግኖስቲክ ኢትዮጵያ ማእኸል ቱሪዝም ሕክምና ንምግባር ዝተትሓዘ ዕላማ ምዕዋት ተወሳኺ ዓቕሚ ዝፈጥር ምዃኑ ዋና ዳይሬክተር ኣኩቴክ ዲያግኖስቲክ ሄኖክ ታደሰ ገሊፆም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ቀረባ እዋን ንጥፈታት ስራሕ ሚሊኒየም ሜዲካል ኮሌጅ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ምዕዛቦም ይዝከር።
ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፣ ኣኩቴክ (ACCU-TECH) ዲያግኖስቲክ ላቦራቶሪ ዓውዲ ጥዕና እታ ሃገር ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ዘሸጋገርን ነቲ ዓውዲ ፍሉይ መለለዪ ዓቕምን እዩ።
እቲ ዘመናዊ ላቦራቶሪ ኣብ ሓደ እዋን ብዙሓት ናሙናታት ብምቕባል ንዝተወሰነ እዋን ሳንፕላት ብጥንቃቐ ምፅናሕ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም።
ዋና ዳይሬክተር ኣኩቴክ ዲያግኖስቲክ ሄኖክ ታደሰ ንኢዜኣ ከምዝሓበሩዎ፣ ስያሜኡ "ኣኩ" ትኽክለኛነትን "ቴክ" ድማ ቴክኖሎጂን ዝወክል እንትኸውን፣ ዝጥቀመሎም ዘመናውያን ቴክኖሎጂታት ውፅኢታት ምርመራ ፅርየት ኽህልዎም ዘኽእሉ እዮም።
እዚ ዓለምለኻዊ ደረጃኡ ዝሓለወ ዘመናዊ ላቦራቶሪ ናብ ወፃኢ ሃገር ተልኢኾም ዝስርሑ ዝነበሩ ውፅኢታት ምርመራ ኣብ ምትርፍ መዳይ ዓቢይ ተራ ከምዝፃወት እውን ገሊፆም።
ሚሊኒየም ሕክምና ኮሌጅ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ሪቲና ፋርማሲዩቲካል ብምትሕብባር ዝተጣየሽዊ እቲ ላቦራቶሪ ኣብ ኢትዮጵያ ፈለማይ ሙሉእ ንሙሉእ ኣውቶሜትድ ዝኾነ እዩ ኢሎም፡።