ኢትዮጵያ ንለውጢ ኣየር ንብረት ዝፃወር ሓምለዋይን ዘላቒን ስርዓት ትራንስፖርት ንምህናፅ ብቆራፅነት ትሰርሕ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 5/2019 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ንለውጢ ኣየር ንብረት ዝፃወር ሓምለዋይን ዘላቒን ስርዓት ትራንስፖርት  ንምህናፅ ብቆራፅነት ትሰርሕ ከም ዘላ   ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ነዚ ዝገለፁ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣብ ዘሎ ጉባኤ ኖርዲክ-ኣፍሪካ ኤሌክትሪክ ተሽከርካሪ (Nordic Africa EV Summit)  ተረኺቦም ኣብ ዘስመዕዎ መደረ እዩ።

ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፣  ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓምለዋይን ንለውጢ ኣየር ንብረት ዝፃወርን ስትራቴጂ ልምዓት ማእኸል ሃገራዊ ትልሚ ልምዓታ ገይራ እናሰርሐት ትርከብ።

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ምስፍሕፋሕ ተሓዳሲ  ሓይሊን ፃዕሪታት ትሑት ካርቦን ዘለዎ ኢኮኖሚ ምህናፅ ናይዚ ቆራፅነነት መርኣያ ምዃኖም ኣብርሂም።

ዓውዲ  ትራንስፖርት  ካብ ካርቦን ናፃ  ምግባር ንህንፀት ዘላቒ  ኢኮኖሚ ካብ ዝሳለጡ ዋና ዋና ተግባራት ሓደ ምዃኑ ብምሕባር፤  ነዚ ውሳነ ናብ ተግባር ንምቕያር ትራንስፖርት ኤሌክትሪክ ህዝቢ ፣ ኮሪደር ሓምለዋይ  ከተማታትን ስርዓት ፅሩይ ኣየር ትራንስፖርት  ምስ ዓቕሚ ተሓዳሲ  ሓይሊ ኣተኣሳሲራ ትሃንፅ ምህላዋ ገሊፆም።




ሽግግር ትራንስፖርት ኤሌክትሪክ  ንሓለዋ ከባቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኢኮኖሚያዊ ትራንስፎርሜሽን፣ ንውሕስና ሓይሊ፣ ንፈጠራ ቴክኖሎጂን ንምምሕያሽ ፅርየት ሂወት  ዜጋታት ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ጠቒሶም።

ተሽከርከርቲ ጥራሕ ናብ ሃገር ምእታው ምህዳር ትራንስፖርት ኤሌክትሪክ  ሙሉእ ንሙሉእ ክፈጥር ከምዘይኽእል ብምሕባር፤ ሙሉእ ውፅኢት ንምምዝጋብ መሰረተ ልምዓታትንን ኣሰራርሓታትን ምምላእ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

በዙይ  ድማ ምስፍሕፋሕ  መሰረተ ልምዓታት  ቻርጅ መግበሪን ምዝርጋሕ ዲጂታል ኣሰራርሓን፣ ኩለመዳያዊ  ስታንዳርዳት ምድላው፣ ዝሰልጠነ ዓቕሚ  ሰብ ዓቕሚ ምፍራይ (ኢንጂነራትን ቴክኒሻናትን) ከምኡ'ውን  ባትሪታት ደጊምካ ኣብ ስራሕ ንምውዓል ስርዓት ምዝርጋሕ ከምዝግባእ ጠቒሶም።

ስለዝኾነ ዝተዋደደ ስርዓት ምህናፅ፣ ካብ ሸማትነት ቴክኖሎጂ ናብ ዓቖዒ ውሽጢ ሃገር  ምህናፅ ምሕላፍ ከምኡ'ውን ዞባውን ኣህጉራውን ምትሕብባር  ምጥንኻር ከምዝገእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም