ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘበነ ትምህርቲ 2019 ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ተጀሚሩ-ቢሮ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም /5/2019 /ኢዜኣ/ትምህርቲ ሓድሽ ዓመት 2019/ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ምጅማሩ ቢሮ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣበሲሩ ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚልዮን ተምሃሮ ዘበነ ትምህርቲ 2019 ትምህርቶም ብዕሊ ጀሚሮም ።

እቲ ቢሮ ኣብ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ቀዳማይ ብርኪ የካ ኣባዶ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ኣካይዱ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ሳምሶን መለሰ ኣብቲ እዋን ከም ዝበሉዎ፤ ንዘበነ ትምህርቲ ዘድልዩ መፃሕፍቲ መምሃሪ፣ ናውቲ ትምህርቲን ምድላው መምሃሪ ክፍልታትን ኣቐዲሙ ምዝዛም ተኻኢሉ ኢሎም ።

ኣብ ኩሎም ናይ መንግስቲን ውልቀን ኣቢያተ ትምህርቲ እታ ከተማ ካብ 1ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ዘለዉ ተምሃሮ፣ መምህራንን ኣባላት ማሕበረሰብ ትምህርቲን ናብ መኣዲ ትምህርቲ ቀሪቦም ።

ብተመሳሳሊ ኣብ መንግስታዊ ኣበያተ ትምህርቲ ንተምሃሮ ዝወሃብ ኣገልግሎት ምገባ ተምሃሮን ሓገዝ ናውቲ ትምህርትን ከም ዝቐፀለ እውን ኣብሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም