ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢጋድ ህፁፅ ኣኼባኡ ሎሚ ከካይድ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢጋድ ህፁፅ ኣኼባኡ ሎሚ ከካይድ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 5/2019 (ኢዜኣ)፦ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት በዓል መዚ በየነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) መበል 74 ህፁፅ ኣኼባኡ ሎሚ ኣብ ጅቡቲ ከካይድ እዩ።
ኣብቲ ኣኼባ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃእን ተወከልቲ ኣባላት ሃገራት ኢጋድን ክሳተፉ እዮም።
እቲ ኣኼባ ኣባል ሃገራት ኣብ ኩነታት ፀጥታን ደሕንነትን እቲ ዞባን ከምኡ’ውን ዝካየዱ ዘለው ዞባዊ ፃዕርታት ብምግምጋም ንሰላም፣ ምርግጋዕን ምትሕብባርን ዘለዎም ሓባራዊ ቅዋም ኸጠናኽሩ ሰናይ ዕድል ከምዝፈጥር ኢዜኣ ካብ ሴክሬተሪያት ኢጋድ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
ብተወሳኺ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ልእኽቶ እቲ ትካል፣ ኣብቲ ዞባ ቀዳምነት ኣብ ዝዋሃቦም ጉዳያት ዘካይዶ ሓገዝን ከምኡ እውን ኣብ ምጥንኻር ተፈፃምነት ውዕሊ ኢጋድ (IGAD ሓዊሱ ኣብ ዋና ዋና ትካለዊ ጉዳያት ክመክር እዩ።
እቲ ኣኼባ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ብድሆታት ብሓባር ንምፍታሕ ከምኡ’ውን ንህዝብታቶም ሰላም፣ ምርግጋዕን ብልፅግናን ንምርግጋፅ ዘለዎም ፅኑዕ ቆራፅነት ዘረጋግፁሉ ምዃኑ እውን ተገሊፁ ኣሎ።
ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ካብቶም ወሰንቲ ኣወዳድባታት ፖሊሲ ኢጋድ ሓደ እንትኸውን፣ ስራሕቲ እቲ ትካል ብምምራሕን ኣብ ሞንጎ ኣባላት ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ኣብ ምጥንኻር መዳይ ዓቢዪ ተራ ዝፃወት እዩ።