ብስራሕቲ ሪፎርም ዝተመዝገቡ ዓወታት ኢትዮጵያ ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ኩለ መዳያዊ ምንስእራር ምስግጋር ኣኽኢሎም እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ብስራሕቲ ሪፎርም ዝተመዝገቡ ዓወታት ኢትዮጵያ ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ኩለ መዳያዊ ምንስእራር ምስግጋር ኣኽኢሎም እዮም
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 4/2019 (ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብስራሕቲ ሪፎርም ዝተመዝገቡ ዓወታት ኢትዮጵያ ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ኩለ መዳያዊ ምንስእራር ምስግጋር ዘኽኣሉ ከም ዝኾኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ገሊፆም።
ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) “ብምንስርራእ ናብ ብራኽ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ ፓነል ኣካይዱ።
ኣብቲ ዘተ ፓነል፤ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እውነቱ ኣለነ፣ ምክትል ኣካቢ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣዝመራው ኣንደሞ፣ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ፣ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ተስፋሁን ጎበዛይን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ሰይፈ ደርቤን ተረኺቦም።
ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እውነቱ ኣለነ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ 2018 ዓ/ም ዓቕሚ ምንስእራር እታ ሃገር ብጭቡጥ ዝተርኣየሉን ፈተናታ ናብ ዕድልን ዓወትን ዝተቐየርሉን ዓመት እዩ ነይሩ።
7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዲሞክራሲያዊ ብዝኾነ መንገዲ ምዝዛሙ ነታ ሃገር ይኹን ንኣፍሪክ ዓብይ መርኣያ እዩ ኢሎም።
ኣብቲ በጀት ዓመት በቢ ዓውዱ ዝተመዝገቡ ዝነኣዱ ውፅኢታት ኢትዮጵያውያን መርኣያ ፅንዓትን ጥንካረን ከም ዝኾኑ ብተግባር ዘመስከርሉ ከም ዝነበረ እውን ሓቢሮም።
ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ብዓወት ምዝዛሙ እውን ወለዶ እናዘከሮ ዝነብር ዓወት ከም ዝኾነ ፀሪሖም።
ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣዝመራው ኣንደሞ ብግደኦም፤ ኢትዮጵያውያን ብነፃነት ሓሳብ ካብ ምፍልፋል ክሳብ ምውዳብ፣ ምውዳድን ንሃገር ዝጠቕሙ ምክረ ሓሳባት ንምፍልፋል ዝኸድዎ ርሕቐትን ዕዉት ሃገራዊ ምኽክር ንክካየድ ኣኽኢሉ እዩ ኢሎም።
ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ዘየረዳድኡ ጉዳያት ብምኽክር ናይ ምፍታሕ ባህልን ልምድን ንክጠናኸር መሰረት ከም ዘንበረ እውን ተዛሪቦም።
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ፤ ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት ኣብ ዓውዲ መራኸብቲ ሓፋሽ ዕዉት ስራሕቲ ሪፎርም ከም ዝተሳለጡ ኣብራህሪሀን።
እቲ ሓዱሽ ቁፅሪ ኣዋጅ መራኸብቲ ሓፋሽ 1238/2013፤ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ካብ ምቁፅፃር ንሚድያታት ዝድግፍ፣ ዝከታተልን ዓቕሚ ዝሃንፅን ትካል ንክኸውን ከም ዘኽኣለ ኣረዲአን።
ስለ ዝኾነ ድማ ስራሕ ምቁፅፃርን ምድጋፍን ሚዛን ሓሊኻ ኣብ ምኻድ ዝሓሸ ስራሕ ከም ዝተሳለጠ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ኣኽቢሮም ንክሰርሑ ኣብ ምግባር ምምሕያሻት ንክምዝገቡ ከም ዝገበረ ገሊፀን።
ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ተስፋሁን ጎበዛይ፤ ስራሕቲ ምንስርራእ እታ ሃገር ናብ ዝለዓለ ብርክን ብራኸን ንምስግጋር ክልተ መሰረታዊ ስራሕቲ ከም ዝሳለጡ ሓቢሮም።
እቲ ሓደ ኢትዮጵያ ዝኣተወቶ ቃል እትፍፅም ሃገር ከም ዝኾነት ዘርኢ ኣወንታዊ ምስሊ ሃገር(Brand) ምህማፅ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ካልኣይ ድማ ዜጋታት ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዝተኣኻኸብሉን ቀፃልነት ዘለዎ ዓወት መሰረት ዘንብርን ሓባራዊ ሃገራዊ ተረኽ ምፍጣር እዩ ኢሎም።
እዚ ኣብ ምዕዋት ድማ መራኸብቲ ሓፋሽን ትካላት ኮሙኒኬሽንን ዓብይ እጃም ከም ዘለዎም ተዛሪቦም።