ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ መንግሥቲ መደመር ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ልምዓት ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ኣዕብዩ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 4/2019 (ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ መንግሥቲ መደመር ዕቤት ብምቅልጣፍ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ልምዓት ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ከም ዘዕበየ ፕሬዚዳንትታት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ገሊፆም።
መርሃ ግብሪ ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ መዋቕራዊ ስምብራት ዕቤት ብምሕካም ዓለም ለኸ ንግድን ኢንቨስትመንትን ብምትብባዕ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዕቤት እናቀላጠፈ እዩ ዝርከብ።
ፕሬዚዳንትታት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ፍኖተ ካርታ ብዝሃ ልምዓት ኢኮኖሚ ብምብሳር ዕቤት ዘቀላጥፍ እመርታዊ ለውጢ እናተረኸበሉ እዩ።
ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ ኣስራት አፀደወይን (ዶ/ር)፤ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ኢትዮጵያ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ብምዕባየ ዝነኣድ ውፅኢት ከም ዝተረኸበሉ ሓቢሮም።
ፕሮጀክትታት ብፅሬትን ቅልጣፈን ናይ ምፍፃም ዓቕሚ መንግሥቲ መደመር ባህጊ ወለዶ ብምቕራፅ ዘኹርዕ ለውጢ ኣተሓሳስባ ዝመፀሎም እዮም ኢሎም።
መንግሥቲ ንተግባራዊነት ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝሃቦ ጥቡቕ ክትትልን ቁፅፅርን እውን ውፅኢታውነት ልምዓት ከተማን ገጠርን ብምምሕያሽ ኢትዮጵያ መርኣያ ሃገር ንክትኸውን ከም ዘኽኣለ ተዛሪቦም።
ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ጅማ ደረጄ እንግዳ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ስጉምቲ ፖሊሲ ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ቀፃልነት ዘለዎ ዕቤት እናመዝገበ ከም ዝኾነ ገሊፆም።
መንግሥቲ መደመር ዕቤት ብምቅልጣፍ ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፁ ዝረኣዩን ዝጭበጡን ውፅኢታት ከም ዝተረኸበ ኣረዲኦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማን ገጠርን ብቕልጡፍ ተሃኒፆም ዝዛዘሙ ፕሮጀክትታት ልምዓት ቆራፅነት መንግሥቲ ዘረጋግፁ እዮም ዝበሉ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ሰላሌ ፈየራ ዲንሳ (ዶ/ር)፤ ስጉምትታት ፖሊሲ ሃገር ቦቆል መመሓየሺታት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ድኽነትን ድሕረትን ዘወግዱ ተበግሶታት ልምዓት ተግባራዊ ብምግባር ሃገር ናብ ዝሓሸ ምዕራፍ ዕቤት እናወሰደ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም።
ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ዑባህ ኣደም (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ሃገራዊ ዓወታት ልምዓት ኢትዮጵያ ተረባሕነት ዜጋታት ብምርግጋፅ ዕቤት ዘቀላጥፍ ዓቕሚ ከም ዝፈጠሩ ሓቢረን።
ኣብ ቀፃሊ እውን ሃገር ቦቆል ስጉምትታት ፖሊሲ ዝፈጠርዎ ዕድል ብምጥቃም መንግስትን ህዝብን ኩለ መዳያዊ ሉኣላዊነት ሃገር ንምርግጋፅ ምስራሕ ይግባእ ኢለን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም