ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት፣ሻዕቢያን ፋኖን ፍፁም ህዝባዊ መሰረት ዘይብሎም ጉጅለታ ጥፍኣት እዮም-ኣይተ ዮሴፍ በርሀ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 4/2019(ኢዜኣ) ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት፣ ሻዕቢያን ፋኖን ፍፁም ሓባራዊ ዕላማ ዘይብሎም፣ሓውን ሓሰርን ዝኾኑን ህዝባዊ መሰረት ዘይብሎምን ጉጅለታ ጥፍኣት ከም ዝኾኑ ምክትል ኣቦ ወንበር ውድብ ባይቶና ኣይተ ዮሴፍ በርሀ ገሊፆም።
ኣይተ ዮሴፍ በርሀ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ዓሌታውን ቤተሰባውን ጉጅለ ህወሓት ንናይ ባዕሉ ረብሓ ክብል ምስ ሻዕብያ ብምትሕብባርን ትእዛዝ ሻዕቢያ ብምቕባልን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ መስካሕክሒ በደል እናብፀሐ ከም ዝርከብ ሓቢሮም።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብዙሕ በደል ዝፈፀመን ዓዲ ዘፍረሰን ተሓታትን ገበነኛን ጉጅለ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ካብዚ ተሓታትነት ንምምላጥ ድማ ትእዛዝ ሻዕቢያ እናተቐበለ ኣይግፈፈን ንዝበለ መንእሰይን ደቅና ኣይንህብን ንዝበሉ ወለድን ብጥይት እናቐተለን እናኣሰረን ከም ዝርከብ ተዛሪቦም።
ጉጅለ ህወሓት ንመንእሰይ ትግራይ ከም ንብረት ኣብ ዕዳጋ ኣውሪዱ እናሸጦ ከም ዝርከብ ብምሕባር፤ እዚ ድማ እቲ ጉጅለ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ህዝቢ ከም ዝተነፀለን ህዝቢ ኣዝዩ ከም ዝተፀየፎን ዘርኢ እዩ ክብሉ ኣብሪሆም።
ከም ገለፃ ኣይተ ዮሴፍ በርሀ፤ ህዝቢ ትግራይ እውን ሕቶታተይ ብሰላማዊ መንገዲ እምበር ብኲናት ኣይፍትሑን ብምባልና ኣንፃር ኲናት እናተቓለሰ እዩ ዝርከብ።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ግና ኣንፃር ድሌት ህዝቢ ትግራይ ምስ ሻዕብያን ፋኖን ተፀሚዱ ንስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣፍሪሱ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ከቢድ ቅልውላው ኣቃሊዕዎ ከም ዝርከብ እውን ኣረዲኦም።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት፣ ሻዕቢያን ፋኖን ፍፁም ሓባራዊ ዕላማ ዘይብሎም፣ሓውን ሓሰርን ዝኾኑን ህዝባዊ መሰረት ዘይብሎምን ጉጅለታ ጥፍኣት ከም ዝኾኑ ብምግላፅ፤ እዞም ኣካላት ዝገብርዎ ዘለዉ ርክብ ድማ ህዝቢ ካብ ምርባሽ ሓሊፉ ትርጉም ከም ዘይብሉን ፍፁም ስግኣት ከም ዘይኮነን ገሊፆም።
ስለ ዝኾነ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ቅልውላው ንምድሓን ከምኡ እውን ኣብ ትግራይ፣ኣብ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪካን ዘላቒ ሰላም ንምፍጣር እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንሓዋሩ ምውጋድ ኣማራፂ ዘይብሉ መፍትሒ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ መንግስቲ ፌዴራል ሓዊስካ ኩሎም ደለይቲ ለውጥን ህዝቢ ትግራይን እቲ ጉጅለ ኣብ ምውጋድ ተዋዲዶም ክሰርሑ ኣለዎም ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም