መበል 18 ጉባኤ ብሪክስ ስትራቴጂካዊ ረብሓታትና ዝተረጋገፀሉ እዩ፡- ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 4/2019 (ኢዜኣ) መበል 18 ጉባኤ ብሪክስ ስትራቴጂካዊ ረብሓታትና ዝተረጋገፀሉን ድምፂ ኣፍሪካ ኣብ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ልዕል ዝበለሉ ታሪኻዊ ዓወት ከም ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ጊሊፆም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ዳህሳስ ኣብ መበል 18 ጉባኤ ብሪክስ ዝነበረና ፃንሒት ብዝብል ርእሲ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገጾም ኣብ ዘመሓለፍዎ መልእኽቲ፣ ሓዱሽ ዓመት ዝጀመርናዮ ስትራቴጂካዊ ረብሓታትና ብዝተረጋገፀሉን ድምፂ ኣፍሪካ ኣብ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ልዕል ብዝበለሉ ታሪኻዊ ዓወት እዩ ኢሎም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም