ዓቢዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ቐረብ ሓይሊ ብዕፅፊ ብምዕባይ ምትእስሳር ኢኮኖሚን ሓይሊን እቲ ዞባ እናጠናኸረ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 4/2019 (ኢዜኣ) ዓቢዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ቐረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እታ ሃገር ክዓቢ ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ምትእስሳር ሓይሊ እቲ ዞባ እናጠናኸረ ከም ዝኾነ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ኣሸብር ባልቻ ኣፍሊጦም።

እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ንኢዜአ ከምዝበልዎ፤ ዓቢዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ፅንዓት፣ ሓድነትን ቆራፅነትን ኢትዮጵያውያን ብተግባር ዝተገለፀሉ «ዳግማይ ዓድዋ» ምዃኑ ተዛሪቦም።

ህንፀት እቲ ግድብ ኢትዮጵያ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ልዑል ዓወት ምምዝጋብ ከምትኽእል ንዓለም ዘመስከረትሉ፤ ከምኡ እውን ሓዱሽ ምዕራፍ ታሪኽ ዝኸፈተ ዓቢዪ ፕሮጀክት ምዃኑ ገሊፆም።


 

እቲ ግድብ ተመሪቑ ናብ ሙሉእ ስራሕ ካብ ዝኣተወሉ ግዘ ጀሚሩ ሓይሊ ዓቕሚ ምምጫው ኢትዮጵያ ብዕፅፊ ካብ ምውሳኹ ንላዕሊ ኢትዮጵያ ካብቲ ዓውዲ ትረኽቦ ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ኣዝዩ ከምዘዕበዮ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም