ስትራቴጂካዊ ድምፅታት ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ብሪክስ ተጋዊሖም-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ - ኢዜአ ትግርኛ
ስትራቴጂካዊ ድምፅታት ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ብሪክስ ተጋዊሖም-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ
ኣዲኣ ኣበባ/መስከረም 3/2019(ኢዜኣ) ስትራቴጂካዊ ድምፅታት ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ብሪክስ ተጋዊሖም ክብል ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ገሊፁ።
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ኣብ ህንዲ ዝካየድ ዘሎ መበል 18 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ብዝምልከት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፤ ብሪክስ ናብ ሰፊሕ ጥምረት ከም ዝዓበየ ሓቢሩ።
ሙሉእ መልእኽቲ እቲ ኣገልግሎት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-
ስትራቴጂካዊ ድምፅታት ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ብሪክስ ተጋዊሖም
3 መስከረም /2019 ዓ.ም
ብሪክስ ናብ ሰፊሕ ጥምረት ዓብዩ እዩ፤ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብዚ ሕዚ እዋን 11 ሙሉእ ኣባላት ዘለውዎ እንትኸውን፤ ኣብ ሩሲያ ካዛን ዕላዊ ዝተገበራ 10 መሓዙት ሃገራት እውን ብፍሉይ ማዕቐፍ ምሕዝነት ብምክታት ፅልውኡ ኣጠናኺሩ እዩ።
ጥምረት ብሪክስ ፍርቂ ህዝቢ ዓለም ዝኸውን፣ከባቢ 40 ሚኢታዊ ሓፈሻዊ ፍርያት ውሽጢ ሃገር(GDP) ዓለም፣ ርብዒ ንግዲ ዓለም ዝውክል እዩ። መጠኑ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ። ብሪክስ ድሕሪ ሕዚ ተራ ጥምረት ዘይኮነስ ኣብ ዓለም ለኸ ስርዓት ኢኮኖሚ ቀንዲ ሓይሊ እናኾነ እዩ።
ሃገራት ኣባል ብሪክስ ብብርኪ ዓለም ኣድማስ ፅልውአን ዝሰፍሐ፣መባፅሒ ማእኸል ዓለም ለኸ ሃፍቲ፣ ቴክኖሎጂን ሰፊሕ ዕዳጋን እየን። ብሱል ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ኢትዮጵያ ኣባል እዚ ብዙሓት ሃገራት ዝምነይኦ ጥምረት ናይ ምዃን ድሌት ንክተዕዉትን ተጠቃሚት ንክትኸውንን ገይርዋ እዩ።
ኣብዚ ከይዲ ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ጥቕሚ ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ንኣፍሪካ ድምፂ ብምዃን ሕቶታት እታ ኣህጉርን ሓባራዊ ተረባሕነትን ዘረጋግፁ ስራሕቲ ብቆራፅነት እናሰርሐት እያ ትርከብ። ካብቶም ዝተረፉ ዕዮ ገዛታት እቲ ሓደ እዚ ታሪኻዊ ዕድል ብምጥቃም ዓበይቲ ዓቕምታት እቲ ጥምረት ብምትእስሳር ዝለዓለ ፀጋ ምፍጣርን እዚ ፅጋ ሃፍቱ ብቀጥታ ኣብ ዝርከበሉ ከባቢ ንክፈርን ምግባር እዩ።
ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ብልምዓት መዓድን፣ ተሓዳሲ ሓይልን ዝዓቢ ዘሎ ኢንዱስትርን እዞም ስትራቴጂካዊ ምሕዝነታት ጋህዲ ንምግባር ሙሉእ ምድላው ኣለዋ።
ኣብ ዓውዲ መዓድን ኢትዮጵያ ዘለውዋ ከም ሊቲየም፣ ታንታለምም ፖታሽን ዝበሉ ንዓለም ለኸ ስግግር ቴክኖሎጂን ኢነርጅን ወሰንቲ ዝኾኑ ሃፍትታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምቅንብባር ናብ ሰንሰለት ኢንዱስትሪ ንምፅምባር ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናሰርሐት እያ ትርከብ። እዚ ምንቅስቓስ ወነንቲ ሃፍቲ ዝኾና ሃገራት ካብ ጥረ ናውቲ ለኣኺነት ወፂአን ኣፍረይቲ ዝተዛዘሙ ፍርያታት ንክኾና ዘኽእል ሚራፍ ኢኮኖሚ ይፈጥር።
ብካሊእ መዳይ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዓብይ ዓቕሚ ተሓዳሲ ሓይሊ ብምጥቃም ሓምለዋይን ንፁህን ቀረብ ኢነርጂ ንሃገራት ምብፃሕ ትኽእል እያ። ሃፍትታ ሓይሊ ማይ፣ ጂኦተርማልን ሶላርን ብምልማዕ ነቲ ዞባን መሓዙትን ዘተኣማምን ማእኸል ሓይሊ ንምዃን ዘኽእል ጠንካራ መሰረት ዘንብር እዩ።
እቲ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ሃፍቲ ካብ ምውፃእን ምቅንብባርን ብተወሳኺ ኣብ ስግግር ቴክኖሎጂን ትካላዊ ፅንዓት መሰረት ዝገበረ ክኸውን ይግባእ። ስርዓታት ኣሰራርሓና ብምጥንኻርን ሰብ ስራሕ ብልሒ ሓዊሱ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ልምዓታውን ማሕበራውን ድሌታት ኣፍሪካ ብትኽክል ንከገልግሉን ሓባራዊ ፃዕርታት ምውዳድ ኣድላይ እዩ። ነዚ ድማ ኢትዮጵያ ቆራፅ እያ።
ዘላቒ ዕቤት ንምርግጋፅ ስርዓታት ፋይናንስ ፍትሓዊ ክኾኑ ኣለዎም፤ ኣብዝ መዳይ ኣብ ምዕባይ ንዝርከባ ሃገራት ፅልዋ ዕዳ ዘቃልል ዘተኣማምንን ፍትሓውን ከይዲ እፎይታ ዕዳ ምዕባይ ወሳኒ እዩ። መድረኽ ብሪክስ ምትሕብባር ደቡብ-ደቡብ ብምጥቃም ፍትሓዊ ዓለም ለኸ ስርዓት ፋይናንስ ንክዝርጋሕ ጠንካራ ድምፂ ምስማዕ ዘኽእለሉ ዓቕሚ ኣለዎ።
ጎና ጎኒ ኢኮኖሚያዊ ስግግር ስራሕቲ ሓለዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምስ ውሕስና ምግብን ዘላቒ ልምዓትን ምትእስሳር ይግባእ። ከም ኢትዮጵያ ከም ምለዋይ ኣሰር ዝበሉ ተበግሶታት ንፅንዓት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝህብዎ ኣስተዋፅኦ ብምስፋሕ መድረኽ ብሪክስ ሓባራዊ ምትሕብባር ናብ ጭቡጥ ፀጋ፣ ፅንዓትን ዘላቒ ሓባራዊ ዕቤትን ንምልዋጥ ዘኽእል ታሪኻዊ ዕድል ዝፈጥር እዩ። ኢትዮጵያ እውን እዚ ዕድል ድምፂ ኣፍሪካ ብምዃን ምጥቃም ጀሚራ እያ።