ቀደማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ካዛኪስታን ቃሲም ጆማርት ቶካዬቭ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 3/2019 (ኢዜኣ)፦ ቀደማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ካዛኪስታን ቃሲም ጆማርት ቶካዬቭ ዘትዮም። 

ቀደማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)  ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ጉባኤ ብሪክስ ምስ ፕሬዚዳንት ካዛኪስታን ቃሲም ጆማርት ቶካዬቭ  ክልቲኣዊ ከም ዝተዛተዩ ገሊፆም።

ኣብ ዘተኦም ኣብ ዲጂታላይዜሽን፣ ንግድን ኢንቨስትመንትን ከምኡውን ኣብ ዓውድታት  ምክልኻል ዕድላት ምትሕብባር ንምስፋሕን ከም ዘመኸሩ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምሕዝነት  ብዝበለፀ ንምዕባይ ኣብ ዘኽኣለሎም መንገድታት ዙሪያ ከም ዝዘተዩ እውን ኣፍሊጦም።  

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም