ሃገራት ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ፍትሓዊ ውክልና ክህልወን ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሃገራት ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ፍትሓዊ ውክልና ክህልወን ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 2/2019 (ኢዜኣ) ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ፍትሓውን ተሰማዕነተን ዘረጋገፀን ውክልና ክህልወን ከም ዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
መበል 18 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ኣብ ህምዲ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ከም ዝበልዎ፤ ሃፍቲ መዓድን ንስግግር ኢነርጂ፣ ዝለዓለ ማኑፋክቹሪንግን ዲጂታል ኢኮኖምን ወሳኒ እዩ።
ኣፍሪካ ወናኒት ብርክት ዝበሉ መዓድናት ከም ዝኾነት ብምሕባር፤ ሃገራት ኣባል ብሪክስ ድማ ኣማራፂ ካፒታል፣ ቴክኖሎጂን ዕዳጋን ከም ዘለወን ሓቢሮም።
እዞም ሃፍትታት ኣዋዲድካ ንምጥቃምን ኣብቲ ጥረ ሃፍቲ ፀጋ ንምውሳኽን ጥምረት ብሪክስ ዓብይ ዕድል ዝፈጥር ከም ዝኾነ ኣመላኺቶም።
ኢትዮጵያ ኣብ መዓድናት፣ ተሓዳሲ ሓይልን ዝዓቢ ዘሎ ኢንዱስትርን ዓቕማ መሰረት ብዝገበረ መልክዑ ምሕዝነታት ንምፍጣር ድልውቲ ከም ዝኾነተ ኣረጋጊፆም።
ኢትዮጵያ ንኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ምትእስሳር ዘለዋ ኣስተዋፅኦ ልዑል ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሪካ ምስ ዓለም እናራኸበ ከም ዝርከብ ከም ኣብነት ፀሪሖም።
ኢትዮጵያ ብሪክስን ሕብረት ኣፍሪካን ዘለዎም ምትሕብባር ምስ ኣጀንዳ 2063 ዝተጠዓዓመ ንክኸውን ድጋፍ ከም ትህብ እውን ኣረዲኦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ዓለም ለኸ ስርዓት ፋይናንስ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ዘልዓልዎ ሓሳብ፤ ኢትዮጵያ ሪፎርም ኢኮሚ ከም ዝገበረትን ናይ ወፃኢ ዕዳኣ ንምምጥጣንን እናሰርሐት ከም ዝኾነትን ገሊፆም።
ሃገራት ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ዘለወን ውክልና ፍትሓዊ ክኸውን ከም ዘለዎ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ውክልና ጭቡጥ ውፅኢት ከምፅእ ኣለዎ ኢሎም።