ዩኒቨርሲቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ መደመር ኣፍሪካ ናይ ፅባሕ ዘበነ ቴክኖሎጂ በበዓል ዋንነት ንክትመርሕ ዓብይ እጃም ከበርክት እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 2/2019 (ኢዜኣ) ኣፍሪካ ናይ ፅባሕ ዘበነ ቴክኖሎጂ በበዓል ዋንነት ንክትመርሕ ዩኒቨርሲቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ መደመር ቁልፊ እጃም ከም ዘበርክ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
 
መበል 18 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ኣብ ዋና ከተማ ህንዲ ኔው ዴልሂ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፉ ዝርከቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መደረ ገይሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መደርኦም፤ ዓለም ለኸ ቅልውላዋት ዘስዕብዎ ጉድኣት ኣብ ሓደ ዓውዲ ጥራ ከይተገደቡ ተደራራቢ ምትእጉጓል ከም ዝፈጥሩ ተዛሪቦም።
ሃገራት ቅልውላዋት ቅድሚ ምፍጣሮም ናይ ምፅዋር ዓቕሚ ክሃንፃ ከም ዝግባእ ብምሕባር፤ ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ፈተና ምፅዋር ዘኽእሉ ስርዓታት እናሃነፀት ከም ትርከብ ኣረዲኦም።
መንግሥቲ ኣብ ውሕስና ምግቢ ብዘሳለጦ ስራሕ ኢትዮጵያ ካብ ፅግዕተኛነት ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ስርናይ ሙሉእ ብሙሉእ ምውፃእ ክኢላ እያ ኢሎም።
ስለ ዝኾነ ድማ እታ ሃገር ነቲ ዝተሓሰበ ማዕቐፍ ልውውጥ ዝራእቲ ብሪክስ (BRICS Grain Exchange) ከም ኣፍራይትን ኣቕራቢትን ንምስታ ድልውቲ ከም ዝኾነት ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘጋጥሙ ቅልውላዋት ንምፅዋር ዓቕሚ ምፍራይ ውሽጢ ሃገር እናዕበየት ከም ትርከብ ብምግላፅ፤ መፍረይቲ ፋርማሲዩቲካልን መድሓኒትን እናስፋሕፍሐት ከም ዝኾነት ሓቢሮም።
ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ እውን ዲጂታል መሰረተ ልምዓት፣ ዲጂታል መለለዪ መንነት፣ ስርዓታት ክፍሊትን ልውውጥ ሓበሬታን ብሰፊሑ እናተሃነፁ ከም ዝኾኑ ኣመላኺቶም።
ሓበሬታታት ድሕንነቶም ብዝተሓለወ መልክዑ ብኣግባብ ሕጊ ኣብ ረብሓ ንክውዕሉ እናተሰርሐ ከም ዝኾነ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ሰብ ስራሕ ብልሒ ነዚ ለውጢ ብዝበለፀ ከም ዘጠናኽሮ ፀሪሖም።
ኣፍሪካ ናይ ፅባሕ ዘበነ ቴክኖሎጂ በበዓል ዋንነት ንምምራሕ ዓቕሚ ምርምር፣ ኮምፒውቲንግ፣ ክእለትን ትካላትን ከም ዘድልያ እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ትሃንፆ ዘላ ዩኒቨርሲቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ መደመር እውን ኣፍሪካ ዝወጠነቶ ሽቶ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ዝውክል ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ንምህናፅ ምስ ትካላት ብሪክስ ብሓባር ንምስራሕ ድሌት ከም ዘለዋ እውን ገሊፆም።
ብተወሳኺ እውን ንሰባት ማእኸል ዝገበረ ምምሕዳር ሰብ ስራሕ ብልሒ ክድገፍ ከም ዘለዎን ፅቡቕ ምም ምስ ብቕዓት ምጥዕዓም ከም ዝግባእን ኣተሓሳሲቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም