ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 2/2019(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ጎና ጎኒ መበል 18 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ዘትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ተራኺቦም ከም ዝዘተዩ ኣፍሊጦም።
ኣብ ዘተኦም እውን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ዘሎ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ውፅኢታዊ ዘተ ከም ዝገበሩ ሓቢሮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ እቲ ዘተ ኣብ ዓውድታት ምክልኻልን ድሕንነትን፣ ንግድን ኢንቨስትመንትን፣ ትምህርትን ዓውዲ ቴክኖሎጂን ከምኡ እውን ምልውዋጥ ልምድታት ትምህርቲ ኣብ ምስፋሕ፣ ኣብ ባህልን ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ዘለና ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘለና ሓባራዊ ቆራፅነት ዳግማይ ዘረጋገፅናሉ እዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን ንኮፕ 32 ኣብ ንገብሮ ምድላው ዘለና ምሕዝነት ሓዊሱ ኣብ ሽቶታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ልምዓትን ምትሕብባራት ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ከም ዝዘተዩ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ኣብ ሓባራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበረ ልውውጥ ንግድን ኢኮኖምን ብዝበለፀ ንምስፍሕፋሕ እውን ብሓባራ ንምስራሕ ተስማዕሚዕና ክብሉ ኣረዲኦም።