መድረኽ ብሪክስ ሓባራዊ ምትሕብባር ናብ ሓባራዊ ፀጋ፣ ፅንዓትን ዘላቒ ዕቤትን ናይ ምልዋጥ ሰፊሕ ዓቕምን ቆራፅነትን ኣለዎ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
መድረኽ ብሪክስ ሓባራዊ ምትሕብባር ናብ ሓባራዊ ፀጋ፣ ፅንዓትን ዘላቒ ዕቤትን ናይ ምልዋጥ ሰፊሕ ዓቕምን ቆራፅነትን ኣለዎ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 2/2019 (ኢዜኣ) መድረኽ ብሪክስ ሓባራዊ ምትሕብባር ናብ ሓባራዊ ፀጋ፣ ፅንዓትን ዘላቒ ዕቤትን ናይ ምልዋጥ ሰፊሕ ዓቕምን ቆራፅነትን ኣለዎ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣካል “ፅንዓት፣ ፈጠራ፣ ምትሕብባርን ዘላቕነትን ምህናፅ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ህንዲ ኒው ዴልሂ ዝካየድ ዘሎ መበል 18 ጉባኤ ብሪክስ ብምዃንና ኩርዓት ይስመዓና ኢሎም።
ኣብ ሃገራት ኣባል ብሪክስ ሃፍቲ፣ ቴክኖሎጂን ሰፊሕ ዕዳጋን ኣለና እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሕዚ ዘሎ ሰናይ ዕድል እዞም ፀጋታት ብምትእስሳር ዝለዓለ ፀጋ ምፍጣርን እዚ ፀጋ ድማ እቲ ሃፍቲ ኣብ ዝርከበሉ ቦታ ምፍራይን ንክኽእል ምግባር እዩ ክብሉ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ብልምዓት መዓድን፣ተሓዳሲ ሓይልን እናዓበየ ኣብ ዝርከብ መሰረት ኢንዱስትሪኣን እዞም ምሕዝነታት ንምህናፅ ድልዉቲ እያ።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ስርዓታት ኣሰራርሓና ፅንዓት ምህናፅ፣ ሰብ ስራሕ ብልሒ ንድሌት ኣህጉርና ንከገልግል ምግባር፣ከይዲ ዘተኣማምንን እፎይታ ዕዳ ምዕባይ ከምኡ እውን ስራሕቲ ሓለዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምስ ስግግር ኢኮኖሚ ክነተኣሳስሮ ኣለና ክብሉ ገሊፆም።
መድረኽ ብሪክስ ሓባራዊ ምትሕብባር ናብ ሓባራዊ ፀጋ፣ ፅንዓትን ዘላቒ ዕቤትን ናይ ምልዋጥ ሰፊሕ ዓቕምን ቆራፅነትን ከም ዘለዎ እውን ኣረዲኦም።