ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝተወሰዱ ውፅኢታውያን ስጉምትታት ምምሕያሽ ኣብ ፅሬትን ተበፃሕነትን ጭቡጥ ውፅኢት የርከቡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 2/2019 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ  ዝተወሰዱ ውፅኢታውያን ስጉምትታት ምምሕያሽ ኣብ ፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ  ጭቡጥ ውፅኢት የርከቡ ምህላዎም ሚኒስትር ትምህርቲ  ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ገሊፆም።

ሚኒስትር ትምህርቲ  ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ከምዝገለፅዎ፤ መንግስቲ ዝተማለአ ዜጋ ናይ ምፍራይ፣ መዐቀኒታት ስነ ምግባርን ፍልጠትን ናይ ምጥንኻር ከምኡ እውን ኣወሃህባ ትምህርቲ  ናብ ዝለዓለ ብርኪ ናይ ምስግጋር ሰፊሕ ስራሕቲ ሪፎርም  ኣካይዱ እዩ።

ኣብ  ዓውዲ ላዕለዋይ  ትምህርቲ  ፅሬት ዘለዎን ብፍልጠት ዝተሃነፀን ወለዶ ንምፍራይ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ውፅኢት የርእዩ ምህላዎም እውን ኣመላኺቶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም