ብሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ዝተቐረፁ ዓውድታት ንኹለመደያዊ ዕብየት ኢትዮጵያ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ የበርክቱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 2/2019 (ኢዜኣ)፦ ብሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ዝተቐረፁ ዋና ዋና ዓውድታትን ካልኦትን ንኹለመደያዊ  ዕብየት ኢትዮጵያ ዓብዪ ኣስተዋጽኦ የበርክቱ ምህላዎም በዓል ሞያ ኢኮኖሚ  ኣይተ ዘመደነህ ንጋቱ ገሊፆም።

ብመሰረት ዓለም ለኻዊ ትካል ገንዘብ (IMF)ኣብ ቐረባ እዋን ዘውፅኦ ሓበሬታ፣ ኢትዮጵያ  ብዓለም ለኸ ብርኪ ፈጣን ዕብየት  ኢኮኖሚ  የመዝግባ ካብ ዘለዋ ሒደት ሃገራት ሓንቲ ምዃና ኣልዒሎም።

እዙይ ድማ ኣብታ ሃገር ካብ ዝተተግብሩ መዋቕራዊ  ምምሕያሻት ኢኮኖሚን  ካብ ዝተከተለቶ ናይ ነዊሕ እዋን ስትራቴጂ  ልምዓትን  ዝምንጩ ምዃኑ ኣመላኺቶም።

እቲ ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኣብ ዝተተግብረሎም ዓውድታት  ማለት እውን ኣብ ማኑፋክቸሪንግ፣ ሕርሻ፣ ቱሪዝም፣ ማዕድንን ቴክኖሎጂን ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ዝበረታትዑ  እዮም ኢሎም።

ብፍላይ ኣብ ዓውዲ  ማዕድን  ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ተራእዩ ብዘይፈልጥ ብርኪ ዝለዓለ ኣታዊ  ኤክስፖርት  ወርቂ ምመዝገቡ ብምጥቃስ፤ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ካብ  ንግዲ ወፃኢ  ወርቂ  ጥራሕ 5 ነጥቢ 7 ቢሊዮን ዶላር ክረክብ ምኽኣሉ ዓብዩ ዓወት እቲ ሪፎርም ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣብ ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ጎስጓስ  “ኢትዮጵያ ተፍሪ"  ካብ ዝጅምር  ዓቕሚ ፍርያት ውሽጢ ዓዲ  ብምዕባይን ከይዲ ምፍራይ  ኣብ ምጥናኽርን መዳይ ካብ ዝነበሮ መበገሲ ተላዒሉ ዝለዓለ ዕብየት ምራኣዩ ጠቒሶም።

ኣብ ዓውዲ ሕርሻ  ካብቲ ዝለመደ ባህላዊ ኣሰራርሓ ናብ ዘመናዊን ሜካናይዝድ ዝኾነ ኣሰራርሓ ብምስጋር፣  ኣቐዲሞም ብዝለዓለ ሸርፊ ወፃኢ   ናብ ውሽጢ ዓዲ ይኣትዉ ዝነበሩ ፍርያታት ምትራፍ ዝተኽኣለ ኾይኑ፣  ነቶም ፍርያት ናብ ዕዳጋ ወፃኢ  ምቕራብ ዝተጀመረሉ ሓዱሽ ምዕራፍ ምኽፋቱ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ዓውዲ  ቴክኖሎጂ  ኢትዮጵያ ንዓውዲ ቴክኖሎጂ ብፍላይ ድማ ንሰብ ስራሕ ብልሒ  (AI) ዝሃበቶ ዝለዓለ ትኹረትን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ብምፍራያ  ብኦፊሴላዊ መንገዲ ብብርኪ ኣፍሪካ ተወዳዳሪትን መሪሕን ዘግበራ ስትራቴጂካዊ ስጉምቲ እዩ ኢሎም።

ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም  ፕሮጀክትታት ገበታ  ሓዊሱ ኣብ ፕሮጀክትታት ልምዓት ኮሪደር   ብዝተሳለጡ ስራሕቲ  መሰረተ ልምዓትን  ልምዓት  መባፅሒታትን ዓውዲ ቱሪዝም ኢትዮጵያ  ንኢኮኖሚያዊ ዕብየት የበርክቶ ዘሎ ኣስተዋጽኦ ዝለዓለ ምዃኑ ኣመላኺቶም።

ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲ ኣገልግሎት መገዲ ኣየር  ኢትዮጵያ  ብዓለም ለኸ ብርኪ ብኣትራፊነቱ፣ ብምስፍሕፋሕ ኔትወርክን ብውፅኢታውነትን  ምቕፃሉ ጠቒሶም።

ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ  እውን ባንኪ ንግዲ  ኢትዮጵያ  ሓዊሱ ካልኦት ውልቀ ባንክታት ዝመዝገብዎ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ መጠን ትርፊ  ኣብታ ሃገር ዓብዪ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ  ምህላዉ ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም።

እታ ሃገር ንኢኮኖሚያዊ ዕብየት ዘለዋ መሰረት ብምጥንኻር   ዓብዪ ህዳሰ ግድብ  ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ መሰረተ ልምዓታትን  ፕሮጀክትታትን ጋዝን  ምጀማሮምን ምዝዛሞምን ዝለዓለ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ከምዝፈጠሩ ኣመላኺቶም።

ንኣብነት ዓቕሚ ምምንጫፍ  ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ  ካብ ሓሙሽተ ሺሕ ሜጋዋት ናብ 10 ሺሕ ሜጋዋት ሓፍ ብምባል ብዕፅፊ ምዕባይ ምኽኣሉ ኣፍሊጦም።

ሰብ ሃፍቲ ውልቀ ኢትዮጵያ  ካብ ውሽጢ ዓዲ ሓሊፎም ኣብ ሃገራት ወፃኢ ኢንቨስት ክገብሩ ዝሕግዙ ምቹዋት ኩነታት ምፍጣሮም ጠቒሶም።

ዓውዲ ውልቀ ውሽጢ ዓዲ ዓቕሙ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ኣብቲ ዞባን ኣብ ዓለም ኣለኻዊ ብርክን ተወዳዳሪን ጠንካራን ዝኾኑ ዓበይቲ ኩባንያታት ምፍጣር ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም