ምሕዝነት ኢኮኖሚ፣ ንግድን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያን ብራዚልን ናብ ሓዱሽን ተስፋ ዘለዎን ምዕራፍ ይሸጋገር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 2/2017 (ኢዜኣ)፦ ምሕዝነት ኢኮኖሚ፣ ንግድን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያን ብራዚልን ናብ ሓዱሽን ተስፋ ዘለዎን ምዕራፍ ይሸጋገር ከምዘሎ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ብራዚል ዣንዲር ፈሬራ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ብራዚል ዣንዲር ፈሬራ ዶስ ሳንቶስ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ብራዚልን ዘሎ ሽርክነት ኢኮኖሚ፣ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ስትራቴጂካዊ ዓውድታትን እናሰፍሐ መፂኡ እዩ።

በዙይ ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ርክብ ናብ ሓዱሽን ተስፋ ዘለዎን ምዕራፍ ይሸጋገር ኣሎ ኢሎም።

ብራዚል ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይ ቤት ፅሕፈት ኤጀንሲ መፋለጢ ንግድን ኢንቨስትመንትን (Apex Brasil) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸፈተት ምዃና ብምጥቃስ፤ እዙይ ድማ  ክልተኣዊ ምትሕብባር ኢኮኖሚ፣ ንግድን ፖለቲካን  ብዝለዓለ ኩነታት ከምዘጠናኽሮ ገሊፆም።

ሰብ ሃፍቲ ብራዚል ዕድላት ኢኮኖሚን ዓቕሚ  ዓውዲ ውልቀን ኢትዮጵያ ን ክረድኡ፣ ከምኡ እውን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጠበቐ ክልተኣዊ ምትሕብባር ክፈጥሩ ዘኽእል እዩ ኢሎም።

ዓውዲ ሕረሻ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ዓንዲ ሑቐ ኢኮኖሚ ስለዝኾነ ኣብ ዝቕፅል ትኹረት ተዋሂብዎ ካብ ዝሰረሓሎም ዋና ዋና ዓውድታት ምትሕብባር  ሓደ እዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ብራዚል ኢትዮጵያ ትትግብሮ ካብ ዘላ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር  ዓቢዪ ተሞክሮ ከምትወስድ ኣመላኺቶም።

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብታ ሃገር ዝተመዝገቡ ምምሕያሻት ኢኮኖሚ፣ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክርን ዕብየት መሰረተ ልምዓታትን ከምዝተዓዘቡ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም