ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ኣንዋር ኢብራሂም ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ኣንዋር ኢብራሂም ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 2/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ኣንዋር ኢብራሂም ዘትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ጎና ጎኒ ጉባኤ ብሪክስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ኣንዋር ኢብራሂም ከም ዝዘተየ ሓቢሮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ኣንዋር ኢብራሂም ኣብ ወርሒ ሕዳር 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝገበርዎ ዑደት ዝተረኸበ ሰናይ ዕድል ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዘቲና ክብሉ ገሊፆም።
እቲ ዘተ ምሕዝነት ኢንቨስትመንት፣ ቱሪዝምን ተሓዳሲ ሓይልን ምስፍሕፋሕን ናብ ኮፕ 32 ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ዘለና ምትሕብባር ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያትን ጠመተ ዝገበረ እዩ ኢሎም
ብተወሳኺ እውን ካብ ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ፣ መፍረያይነትን ዓውዲ መፍረያይን ማሌዢያ ተሞኩሮታት ምውሳድ ኣብ ዝከኣለሎም ዕድላት ከም ዝዘተዩ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያን ማሌዢያን ጠንካራ ኢኮኖሚያዊ ምሕዝነት ንምስራት ዘኽእል ልዑል ዓቕሚ ከም ዘለወን ብምሕባር፤ እዚ ድማ ኣብ ማዕቐፍ ኢንቨስትመንት፣ ቴክኖሎጂ፣ ክእለትን ዘላቒ ልምዓትን ሓደሽቲ ዕድላት ዝፈጥር ከም ዝኾነ ሓቢሮም።