ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ኢራን መስዑድ ፔዜሽኪያን ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 2/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ኢራን መስዑድ ፔዜሽኪያን ዘትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ውሽጢ ማዕቐፍ መድረኽ ቤተሰብ ብሪክስ ፕላስ ምስ ፕሬዚዳንት ኢራን መስዑድ ፔዜሽኪያን ዘቲና ኢሎም።
ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ዝገበርናዮ ዘተ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዘለዉ እዋናዊ ኩነታትን ሓፈሻዊ ኣብ ድሕንነት እቲ ዞባን ጠመተ ዝገበረ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣድላይነት ዘተን ምርግጋዕ እቲ ዞባን ጋህዲ ምግባር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት እውን ከም ዝዘተዩ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም