ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ.ም ህይወት ዜጋታት ዘመሓይሹ ስራሕቲ ልምዓት ዝፋጠኑሉ ክኸውን እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 1/2019 (ኢዜኣ)፦ ሓዱሽ ዓመት  2019 ዓ.ም ጉዕዞ ብልፅግና ብምስፋሕ ህይወት ዜጋታት ዘመሓይሹ ስራሕቲ ልምዓት  ዝፋጠኑሉ ዓመት ከምዝኸውን ከንቲባ ኣዳነች አቤቤ ገሊፀን።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ሓድሽ ዓመት 2019 ዓ.ም  ብምክንያት ብምግባር ኣብ ልደታ ማእኸል ምገባ ተስፋ ብርሃን ማኣዲ ኣካፊለን።

ኣብዚ እዋን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፣ ኣብቲ ማእኸል  ኩሉ ግዘ ምገባ ዝግበር ዋላ እንተኾነ፣ ሎሚ መዓልቲ ብምኽንያት እቲ በዓል ኣብዚ ዘለና ንዓኻትኩም ዘለና ኣኽብሮት፣ ፍቕርን ቤተሰባውነትን  ንምግላፅ እዩ ኢለን።

ሓዱሽ ዓመት እውን ዝበለፀ ንደጋገፈሉ፣ ብሓድነት ንብልፅገሉን ዝበለፀ ህይወት ንሃንፀሉን ዓመት ይኹን ብምባል ሰናይ ትምኒተን ገሊፀን።

ሓዱሽ ዓመት ጉዕዞ ብልፅግና ብምስፋሕ ህይወት ዜጋታትን ኩነታት መነባብሮን  ዘመሓይሹ ስራሕቲ  ልምዓት ዝፋጠኑሉ ከምዝኸውን ተዛሪበን።

ኣብቲ ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ.ም  ብምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝተዳለወ መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ ዝተሳተፉ ወገናት እውን፣እተን ከንቲባ ኣብዚ በዓል ምስኦም ብምሕላፈን ዓብዪ ክብርን ደስታን ከምዝተሰመዖም ተዛሪቦም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም